ታሪኻዊት ጋንታ ሊድስ ዩናይትድ ድሕሪ ናይ 16 ዓመት ጻንሖት ኣብ ታሕተዋይ ድቪዝዮን ብ ሙኹር ኣርጀንቲናዊ ኣስልጣኒ ፍሉይ ቅዲ ዝክተልን ታክትሻን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማርሴሎ ቢዬልሳ ተሓጊዛ ናብ ንነዊሕ ግዜን ሽማ ዘጸውዓትሉ ትምለስ ዘላ። ሊድስ ነዚ ዘረጋገጸት ትማሊ ቀንዲ መተሃላለክታ ዝነብረት ዌትስ ብሮ ብ በሃድስፊልድ ታዎን 2 ብ 1 ድሕሪ ምስዓራ ብ ኣርባዕተ ነጥቢን ብ ሓደ ጸወታ ጎደሎ ብ 87 ነጥቢ ነዚ …
Read More »ካብዝን ካብትን
ትምህርቲ ቛንቛ ሽወደን ቀዳማይ ክፋል SFI NYBÖRJAR hem inbjudan vecka 1
ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ዝነብረላ ቁሸት ንዝፍጠር ልዑል ፍጥነት መካይን ንምቁጽጻር 400 ታቤላታት ሰቒሉ ተባሂሉ
ናይ ተሳፈርቲ መካይን ብማእከል እታ ኣብ ምምሕዳር ስኮና እትርከብ ቁሸት፡ ፋርሆልት፡ ብፍጥነት ከምዝሓልፋ እዩ ዝንገር። ስለዝኾነ ድማ ፒተር ዮራንሰን (69 ዓመት) ብውልቁ 400 ታቤላታት ምልክታት ትራፊክ ኣብታ ቁሸት ሰቒሉ ምንባሩን ትማሊ ሓሙስ ድማ ፡ፖሊስ ትራፊክ፡ ሕጋዊ ፍቓድ የብሉን ብምባል ንብምልኡ ከምዘውረዶ SVT ሓቢሩ። ትማሊ ሰሉስ፡ ዮራንሰን ምስ ጎረባብቱ ኮይኑ ነቶም ልዕሊ ፍቑድ ፍጥነት (40 ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት) ዝሕምበቡ መራሕቲ …
Read More »ክለብ ኣይኮ ብሽቶ ሄኖግ ጎይቶም ተሓጊዛ ደረጅኣ ተመሓይሽ
ስጋብ ሕጂ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሽወደን ኣልስቫንስካ ካብ ዝተኻየዱ ውድድራት ክለብ ኣይኮ ካብ 8 ግጥማት 3 ስዕረት 2 ማዕረ ብምእንጋድ ኣብ ዝኼፍኤ ምጅማር እዚ ውድድር ድሕሪ ምጽናሕ ፣ትማሊ ምስ ኣብ ደሓን ኩነታት ዝጸንሔት ክለብ ስሩስ ኣብ ዝገብረቶ ውድድር ኣብ መብል 75 ደቂቅ ብእንኮ ሸቶ ሄንግ ጎይቶኦም ናብ ዓወት ተመሊሳ። ስጋብ ሕጂ ካብ ዝተኻየድ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ኣልስቫኒስካ ክለብ ኖርሾቢንግ ካብ …
Read More »ምህዞ ሽወደን ሳዕሪ መሮር ናብ መግቢ ደቂሰብ ይቕይር
ሳዕሪ ኣብ ክንዲ ንሳዕሪ በላዕ እንስሳታት ኣብ መጻኢ ንደቂሰብ ከም መግቢ ዘገልግለሉ ኣገባብ ንምምሃዝ ቶሪቦዳ ሓደ ውጥን ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ ክብክ SVT ሎሚ ሓቢሩ። “ፈለማ ን ሓሰማታት ኣብ ዝተናውሐ ድማ ንደቂ ሰባት ኣውራ ናይ ፕሮቲን ቀረብ መግቢ ክህልወና እዩ” ክብል ፕሮጀክት ማናጀር ኣንድርያ ኤሰን ይገልጽ። እዚ ምህዞ ባዮሎጂካዊ ፍሊተር ዝተሰምየ ኮይኑ ብ ቆንስል ምቁጽጻርን ምክያድን ተፈጥሮ ከም ዝድገፍ እቲ ጸብጻብ …
Read More »ሓቐኛ ዛንታ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል፣መቐረት ሽወደን
ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ከምቲ ዝበልኲኻ መዓት ሃደንቲ ደቒ ተባዕትዮ ስለ ዝነበሩ፡ ሻማ ሻማ ኢሎም’ዮም ተቀቢለሙኒ፡ ኣብቲ ፈለማ ከምንግስቲ’የ ከቢረ፡ ንመልክዐይን ፍቕረይን ዝደልዩ ደቒ ተባዕትዮ ክውሕዙኒ ብምጅማሮም፡ ተስፋይ በሪዂ ምስቲ ሓደ ተዘናጊዐ፡ ናብቲ ሓደ ክሰግር ምንም ግዜ ኣይነበረንን፡ ብላዕ ስተ’ዩ ነይሩ፡ ከይተረድኣኒ ብዘይሓደ ቑም ነገር ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣቑጺረ፡ ክዳውንቲ ቀያይርካ ናብትን ናብትን ምባል ኮይኑ ስርሐይ፡ ከምቲ ኣቀዲመ ዘዕለልኲኻ፡ ጓል ዕስራን ክልተን …
Read More »ሓንቲ ዓለም፣ ህይወት ትርጉም ኣለዎዶ?
ኣማኑኤል ሳህለ ህይወት ወይ ፍጥረት፡ ትርጉም ወይ ዕላማ ኣለዎዶ? ኢልካ ምስ እትሓትት፡ መብዛሕትኡ ሰብ እወ ብምባል እዩ ዚምልሽ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል፥ ህይወት ትርጉም እንተ ዘይህልዎ ደኣ ምንባር እንታይ እዩ ዕላማኡ? ንምንታይከ ተፈጢርና? ግንከ ህይወት ወይ ፍጥረት ትርጉም ከም ዘይብሉ እንተ ዚረጋገጽ ነይሩ ምንባር ምገደፍናዮዶ? ብምባል ከም ብሓድሽ ክትሓቶ ትግደድ። ኣይምገደፍናዮን፡ ከመይሲ፡ ሓንሳእ ኣብ ህይወት ምስ ኣቶኻ፡ ክትመውት ወይ ክትጠፍእ …
Read More »ዜና ሽወደን ብትግርኛ 10 ሓምለ 2020 Swedish News in tigrigna 10 juli 2020
ሓቐኛ ዛንታ፣ መቐረት ሽወደን
ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ቐዳማይ ክፋል “ንነብሰይ ከም መማቕርቲ ሽወደን’የ ዝቖጽራ፡ ኣብ ስቶኮሎም ከማይ ትጽብቅ ሓበሻ ዘላ ኮይኑ ኣይስምዓንን! እንታይ እሞ—” ጌና ዕላላ ከይጀመረትለይ ከላ ብንብዓት ተነኽነኸት። ብመንገዲ ተንቓሳቓሲ ቴለፎን እያ ተላልያትኒ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ጋሻ ብምዃነይ፡ ቁጽሪ ተንቃሳቃሲ ቴሌፎነይ ብመንገዲ ጋዜጠኛ ናይ ዩቲብ ቻነል ራሄና ቲቪ ያሲን ዑመር(ቕጫ)፡ ብምሕታት እያ ክትረኽበኒ ክኢላ። መልክዓ’ኳ እንተዘይፈለጥክዎ፡ ብኣዛራርብኣ ግና ብርግጽ ምልክዕቲ ክትከውን ኣለዋ በልኲ። …
Read More »ሓንቲ ዓለም፣ምህዞታትን ርኽበታትን ሳዕቤኑን (inventions and discoveries)
ኣማኑኤል ሳህለ ዝበዝሕ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ምሂዙ ኪብሃል ንሰምዕ። ግን ዝኾነ ምህዞ ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣይክስተን እዩ። ብብዙሓት ኣእዳው ተመራመርቲ ዝሓለፈ መስርሕ እዩ እንተ ተባህለ ይምረጽ። እቲ ምሂዙ ዚብሃል ሰብ፡ እቲ ነቲ ኪምሃዝ ዝነበሮ ነገር ወይ ሓሳብ ወይ ፍልስፍና ጥራይ ኢዩ ኣብ ዕላማኡ ወይ ኣብ ጥርዙ ከብጽሖ ዝኸኣለ። ንኣብነት ራድዮ ብጉልየልሞ ማርኮኒ ተማሂዛ ንብል። ግን ቅድሚ ራድዮ ምምሃዛ፡ …
Read More »