Saturday , May 4 2024

ሓንቲ ዓለም፣ምህዞታትን ርኽበታትን ሳዕቤኑን (inventions and discoveries)

ኣማኑኤል ሳህለ

ዝበዝሕ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ምሂዙ ኪብሃል ንሰምዕ። ግን ዝኾነ ምህዞ ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣይክስተን እዩ። ብብዙሓት ኣእዳው ተመራመርቲ ዝሓለፈ መስርሕ እዩ እንተ ተባህለ ይምረጽ። እቲ ምሂዙ ዚብሃል ሰብ፡ እቲ ነቲ ኪምሃዝ ዝነበሮ ነገር ወይ ሓሳብ ወይ ፍልስፍና ጥራይ ኢዩ ኣብ ዕላማኡ ወይ ኣብ ጥርዙ ከብጽሖ ዝኸኣለ።

ንኣብነት ራድዮ ብጉልየልሞ ማርኮኒ ተማሂዛ ንብል። ግን ቅድሚ ራድዮ ምምሃዛ፡ እቲ ንኣኣ ከም እትሰርሕ ኪገብራ ዝኸኣለ ክፋላታን መጋበርያኣን (ኤለክትሪሲቲ፡ ማግነት፡ መጕልሒ) ኣቐዲሙ ብኻልኦት ሰባት ተሰኒዑ ወይ ተተንቢሁ ነይሩ እዩ። ስለዚ ማርኮኒ ኣብ ሽቶ ኣብጻሒ እምበር፡ ከም እንኮ መሃዚ ኪውሰድ ኣይግባእን። ግን ከኣ ነታ ራድዮ ሰሪሑ ስለ ዘቕረበልና፡ እቲ ዓወትን ክብርን ናቱ እዩ። Grazie signor Marconi!

ርኽበት ግን፡ ሃንደበታዊ ወይ ድማ ብዘይሕለል ናይ እለሻ ንጥፈታት ብዚካየድ መስርሕ ሓሊፉ ዚገሃድ ኩነት ብምዃኑ፡ ናይ ሓደ ዘይሕለል ተመራማሪ ሃንደበታዊ ወይ ዕድላዊ ዓወት እዩ ክንብሎ ንኽእል። ንኣብነት ኦክሲጅን እንተ ወሰድና፡ ብኣንትዋን ላቭዋዝየ ዚብሃል ፈረንሳዊ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርን ፈተናን ርብርብን እዩ ተበጺሑ። ኦክሲጂን ግን ቅድሚ ኣንትዋን ላቭዋዜ ነይሩ እዩ። ንሱ ዝመሃዞ ኣይኮነን።

ሓደ እዋን ሓደ መምህር፡ ነቶም ተመሃሮኡ፡ ኦክሲጅን ብላቭዋዜ እተማህዘ ምዃኑ ምስ ነገሮም፡ ገለ በላሕቲ ካብቶም ተመሃሮ፡ ቅድሚ ላቭዋዜ ኸ እንታይ ነስተንፍስ ኔርና ኢሎም እዮም ዘሕፈሩዎ።

ከምኡውን እቲ ብኣለክሳንደር ፍለሚንግ እተረኽበ ፐኒሲሊን፡ ዕድል ብእተሓወሶ ጻዕሪ እዩ ተኸሲቱ። ፐኒሲሊን ግን ከም ባክተርያ መጠን ካብ ጥንቲ ዝነበረ እዩ።

እምበኣር፡ ምህዞን ርኽበትን ካብቶም ንዓለምና ክትቅየር ኣበርክቶ ዝገበሩን ዚገብሩ ዘለዉን ተግባራትን መሳርሒታትን እዮም ክንብል ንኽእል። ኣብዚ ግን ክንርስዖ ዘይብልና ነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ፡ ምህዞን ርኽበትን ኣብ ኣተሓሳስባን ኣብ ፍልስፍናዊ ኣገላልጻን እውን ይኽሰቱ ምዃኖም እዩ።

ንኣብነት፡ ኮምዩኒዝም ዚብሃል ርእዮተዓለማዊ ፍልስፍና ንውሰድ። ንሱ ብምሕሳብን ብምግንዛብን ብምርምርን ብህየሳውን ስነመጎታውን ትንተናን ብተመክሮን እተበጽሐ ኣእምሮኣኣዊ ምህዞ ኢዩ ክንብል ንኽእል። ብኣንጻሩ ግን፡ ሃይማኖት ከም ርኽበት ኢዩ ዚቝጸር፡ ምኽንያቱ፡ ሃይማኖት ብምሕሳብን ብምርምርን ዚብጻሕ ፍልስፍና ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ነዊሕ ኣስተንትኖን ሱባኣኤን ኣብቲ መስራቲ ሃይማኖት ዚኽሰት ሓድሽ ርኽበት ወይ ግልጸት (epiphany) እዩ።

ወድሰብ ብጥንቲ መሃዛይ እዩ። ዚምህዘሉ ምኽንያት ድማ ሽግሩ ንምቅላል እዩ። ግዙፋውን ረቂቓውን ሽግራቱ። ነቲ ግዙፋዊ ሽግራቱ ንኸቃልል፡ ብጥንቲ ገዛን ጃልባን ኲናትን ቀስትን ምሂዙ። ነቲ ረቂቓዊ ጸገማቱ ንምቅላል ድማ፡ ማሪትን ጥንቆላን ስሩዕ እምነትን ኣምልኾን ፈጢሩ። ክልቲኡ ድማ ኣብዛ ጸገማት ዝበዝሓን ርጉጽነት ዘይብላን ዓለም ኪነብርን ኪፋረን ክተሓጋገዝን ክሰራረቕን፡ ከዕቁብን ኪዘምትን፡ ከልምዕን ከዕኑን ሓጊዙዎ እዩ።

ሰብ ኣብዛ ዓለም ኪነብር ከሎ፡ ብቐዳማይ ደረጃ ነብሱ ንምዕቃብ፡ መሳርያ፣ ካብ ረስንን ኣስሓይታን ንምክልኻል ድማ፡ መጽለሊ የድልዮ ነበረ። ስለዚ እምንን ካብ ጨናፍር ዝመልመሎ በትርን፡ ንመጽለሊ ድማ ብጨናፍርን ኣጕናድን ኣእማንን ገይሩ ገዛ ብምስራሕ፡ ነዚ ምስ ዘይረክብ ድማ በዓትታት ይጥቀም ነይሩ። ቀስ እናበለ ብዓጽሚ እትሰነዐ መርፍእ ገይሩ ቆርበት እንስሳ ኣላጊቡ ክዳንን ሳእንን ኪሰርሕ ጀሚሩ። ቀጺሉውን ዝዅዕተሉን፡ ማይን እኽልን ዘዕቁረሉ መሳርሒታትን ኪምህዝ ጀሚሩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ንእንስሳታት ብምዕዛብ፡ እተፈላለዩ ካብ ሕማም ከድሕኑዎ ዚኽእሉ ኣቝጽልትን ሰራውርን ከለሊ ክኢሉ። ናይ ዘራእቲ መሳርሒታት ኣማዕቢሉ፡ ዓንኬል (wheel) ብምፍጣር ድማ ኣብቲ ናይ ተክኖሎጂ ፈላሚ መገዲ ኪስጕም ጀሚሩ።

ወድሰብ እዚ ኹሉ ኪገብር ከሎ፡ እቶም ኣብ ጥቓኡ ዝነብሩ ዝነበሩ እንስሳታት በቲ ተፈጥሮ ዝዓደሎም ደመነፍስ (instinct) ገይሮም ሓድሓደ መንበሪ ጎጆታቶም ካብ ምስራሕን፡ ገለ ድማ ቀሊል መሳርሒታት ካብ ምስናዕን ሓሊፎም ካልእ ብፈጠራ ዝመሃዙዎ ምዕቡል ነገራት ኣይነበረን።

 ወድሰብ በቲ ብደረጃታት እንስሳ ብምሕላፍ ዝኣከቦ ባህርያትን ተመክሮታትን ብኣእምሮን ብናይ ምሕሳብን ፈጠራነትን ዓቕሚ ንእንስሳታት ኪሓልፎም፡ ነቲ ምዕቡል ኣእምሮኡ ብምጥቃም ድማ ንተፈጥሮ ኪብድሃን ኪቃለሳን፡ ሓሓሊፉ ድማ ከንበርክኻን ክኢሉ።

 ይኹንምበር፡ ኣብዚ ዓለም ንኺነብር ግድን ነቲ እንስሳዊ ዝኾነ ናይ ምውድዳርን ምዕብላልን (survival of the fittest) ባህርያት ከኻዕብት ይግደድ ነይሩ። ዝበዝሕ እቲ ምህዞኡ ድማ ኣብዚ መዳይ`ዚ ዘተኮረ እዩ ነይሩ። በዚ መሰረትዚ፡ ንኺወዳደርን ንኺዕብልልን ብማለት ካብ ኲናትን ቀስትን ፍላጻን፡ ካራን ጉራዴን ሴፍን፡ እተጸርበ ጽንጽሕለን ዱላን ሓሊፉ፡ ጠበንጃን መድፍዕን ተፈንጀርትን ነተጕትን መሃዘ።

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ነቲ ንጽቡቕ ኢሉ ዝመሃዞ ወይ ዝሰንዖ ነገራት ናብ ኣዕናዊ መሳርሒ ንኺልውጦ ግዜ ኣይወሰደሉን። ብጥንቲ ነቲ ብቻይናውያን ከም ንሪሺ (firework) ተባሂሉ እተሰነዐ ባሩድ፡ ናብ ነተጕቲ ኣሳጊሩዎ። ንንግዲ ተባሂለን እተማህዛ መራኽብ፡ ናብ ናይ ውግእ መጋበርያ ተለዊጠን። ፖስታ ከማላልሳ እተማህዛ ነፈርቲ፡ ናብ ደብደብቲ ተቐዪረን። ንሓይሊ ጸዓት ተባሂሉ ብምርምር እተረኽበ ኑክለሳዊ ሓይሊ ናብ ኣቶሚክን ሃይድሮጅንን ቦምብ ተመዲቡ። ንወድሰብ ብሰላም ከንብርን ከሕብርን እተኸሰተ ሃይማኖት ወይ ስርዓተ-እምነት፡ ናብ ናይ መዋግእን መፈላለዪን መመክሕን መሳርሒ ተጠምዚዙ። ወዘተ.

 ወድሰብ ነቲ ናይ ምዕብላልን ምግባትን እንስሳዊ ድሌታቱ ቀይዲ ብምብታኽ፡ ናብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ከይዱ መታን ኪወርር፡ ንፈረስ ከም መጋለቢኡ፡ ንመርከብ ድማ ከም መሳገሪ ባሕርታት ብምጥቃም፡ ንህዝብታትን ዓሌታትን ብንግዲ ይኹን ብቐጥታውን ዘይቀጥታውን መግዛእቲ፡ ብባህላውን ሃይማኖታውን ዕብለላ፡ ንርሑቕን ቀረባን ከንበርክኽ ኩሉ ዚከኣሎ ገይሩ እዩ።

እዚ ናይ ወድሰብ መሃዝነትን ፈጣርነትን ግን ምስትውዓል እናጎደሎ እንተ ደኣ ከይዱ፡ ኣብ መወዳእታ ኪጎድኦ ከም ዚኽእል ብዙሓት ተነበይቲ ምሁራን ይገልጹ እዮም። ገለ ካብቶም ከጽንቱዎ ዚኽእሉ ግዙፋውን ሓሳባውን ምህዞታት ከኣ እዞም ዚስዕቡ እዮም፥

ሀ. ኑክለሳዊ ኣጽዋር፥ ብሳየንስን ምርምርን እተማህዘ መርዛዊ ጨረር ዚጥቀም ኣጽናቲ ቦምብ። ኣብ ዓለምና ዘለዉ ኑክለሳውያን ቦምቢታት ነዛ ምድሪ ፈጺማ ከም እትባድም ከም ዚግብሩዋ ሊቃውንቲ ኣጽዋር ይፈልጡ እዮም።

ለ. ጽንፈታውን ኣኽራርን እምነት፥ እዚ፡ ኣብ ሕልማዊ እምነት (delusion) ብምምርኳስን ነዛ ዓለም ከም ናብታ ካልአይቲ ዓለም እተሰጋግር ትራንዚት ገይሩ ብምውሳድን ንመጻኢ ዕድላ ተገዳስነት ዘይህብ፡ እንተ ዓነወት ወይ እንተ ጠፍአት እውን ከም ረብሓ ዚቖጽር ሓደገኛን ፋሉልን፡ ዝበዝሕ ግዜ ብናይ ሰብ ምህዞን ፈጠራን እተደኮነ ዓይነት እምነትን ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን እዩ።

ሐ. ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ (artificial intelligence or AI)፥ ንወድሰብ ዚትክእ ናይ ሮቦት ምህዞ። ሮቦታት እናበዝሑን ምስትውዓሎም ድማ ካብ ናይ ወድሰብ እናበለጸ ምስ ዚኸይድ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂሰብ ብምእዳም ወይ ብምትንዃል ከጥፍኡዎም ይኽእሉ እዮም ዚብል ሳየንሳዊ ትንቢት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com