Friday , May 3 2024

ሓንቲ ዓለም፣ ህይወት ትርጉም ኣለዎዶ?

ኣማኑኤል ሳህለ

ህይወት ወይ ፍጥረት፡ ትርጉም ወይ ዕላማ ኣለዎዶ? ኢልካ ምስ እትሓትት፡ መብዛሕትኡ ሰብ እወ ብምባል እዩ ዚምልሽ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል፥ ህይወት ትርጉም እንተ ዘይህልዎ ደኣ ምንባር እንታይ እዩ ዕላማኡ? ንምንታይከ ተፈጢርና?

ግንከ ህይወት ወይ ፍጥረት ትርጉም ከም ዘይብሉ እንተ ዚረጋገጽ ነይሩ ምንባር ምገደፍናዮዶ? ብምባል ከም ብሓድሽ ክትሓቶ ትግደድ።

ኣይምገደፍናዮን፡ ከመይሲ፡ ሓንሳእ ኣብ ህይወት ምስ ኣቶኻ፡ ክትመውት ወይ ክትጠፍእ ኣይትደልን ኢኻ። ስለዚ ህይወት ወይ ተፈጥሮ፡ ትርጉም ይሃሉዎ ኣይሃሉዎ፡ ዕማላ ይሃሉዎ ኣይሃሉዎ ብዘየገድስ፡ እቲ ናይ ምንባር ድሌትካ ወይ ድራኼኻ ፈጺሙ ኣየቋርጽን እዩ። ናይ ምንባር ድሌት፡ ካብ ኣሜባ ጀሚሩ ክሳዕ ወድሰብ፡ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ዚቃለስ ሓያል ድፍኢት እዩ።

እቲ ወሊዱ ዝዝመደን ኩሉ ዝሓሰቦን ዝተለሞን ዝመደቦን ዝሓለሞን ነገራት ዝፈጸመ ወዲ 90 ዓመት ሰብ ከይተረፈ፡ ኣብታ ደቂሱላ ዘሎ ናይ ኣጋ-ሞት ዓራቱ ኮይኑ፡ ኪመውት ኣይደልን እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ነቲ ሞት እውን ትርጉም ኪህቦ ስለ ዝደሊ፡ ተናሲሑን ተናዚዙን ናብታ ካልአይቲ ዓለም ኪኸይድ ከም ዚኽእል ንነብሱ የእምና እሞ፡ ካብዛ ትርጉም ክትህቦ ዘይከኣለት ዓለም ናብታ ባዕሉ ትርጉም ኣንቢሩላ ዘሎ ካልአይቲ ዓለም ብሰላም ይገላገል። ኣእምሮ ሰብ ኣብ ኩሉ ነገራት ትርጉም ኪረክብ ሃሰው ካብ ምባል ኣየዕርፍን እዩ።

ነዊሕ ዓመታት ይገብር ኣብ ሓደ ኣብ ጫካ ዚነብር ሕብረተሰብ፡ ምስ ሓደ ሰብ ተላሊየ ብዛዕባ ህይወት ክሓቶጀሚረ። ንኣኻ እንታይ እዩ ህይወት ኢለዮ። ንሱ በቲ ሕቶይ ተገሪሙ። ህይወት፡ ካብ ምብላዕን ምስታይን ምውላድን ምምዋትን ሓሊፉ ካልእ ዕላማ ዘይብሉ ምዃኑ ድማ ገሊጹለይ። እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኣታኽልትን እንስሳታትን እውን ዚዛረቡ እንተ ዝኾኑ ተመሳሳሊ ርእይቶ ምሃቡ ነይሮም። ወድሰብ ግን ኣእምሮኡ እናማዕበለ ብዝኸደሉ መጠን፡ ኣብቲ ትርጉም ዘይብሉ፡ ትርጉም ክርኢ፣ ኣብቲ ዕላማ ዘይብሉ ድማ ዕላማ ክርኢ ሒዅ ካብ ምባል ኣየዕረፈን። ኣብቲ ህይወቱ፡ ዕላማ ወይ ትርጉም ምስ ዚርኢ ድማ፡ ተሓጒሱ ይነብር።

ወድሰብ፡ ዕላማ ወይ ትርጉም ኪፈጥር ምስ ዘይክእል ግን፡ ወይ ባሕታዊ ይኸውን ወይ ድማ ምስ ነብሱን ምስ ዓለምን እናተባእሰን እናተቖጠዐን ይነብር። ሓድሓደ ግዜ እውን ነብሱ ባዕሉ የሕልፋ እዩ። ኣብቲ ዕላማን ትርጉምን ዘይብሉ ተፈጥሮን ፍጥረትን ዩኒቨርስን፡ ወድሰብ ባዕሉ ዕላማን ትርጉምን እናፈጠረ ጥራይ ኢዩ ንቕድሚት ኪግስግስ ዚኽእል። ከምኡ ምስ ዘይገብር፡ ኣንፈቱ የጥፍእ እሞ፡ ህይወቱ ኪበላሾን ከንቱ ኪኸውንን ይኽእል እዩ።

ካብቶም ንህይወት ወይ ንፍጥረት፡ ዕላማ ዘይብሉ ዚገብሩዎ ረቋሒታት ገለ ንምጥቃስ ኣብ ታሕቲ ከቕርቦም እየ፥

ሀ. ዩኒቨርስ መጀመርታን መወዳእታን ስለ ዘይብሉ፡ ዕላማ ወይ ትርጉም ኪህሉዎ ኣይክእልን፡ ከመይሲ ዕላማ ወይ ትርጉም ኪህሉ ዚኽእል ኣብ ሓደ ፍሉጥ መጀመርታን ፍሉጥ መወዳእታን ዘለዎ ኩነት ወይ ህልውና ጥራይ እዩ። ሽዑ፡ ክንድዚ ፈጺመ፡ ክንድዚ ድማ ተሪፉኒ ክትብል ትኽእል። ግን ኣብቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ መስርሕ፡ ነቲ ዕላማኻ በየናይ መምዘኒ ኢኻ ክትልክዖ። ዕላማ ንኺህሉ፡ መወዳእታ ኪህሉ ኣለዎ፣ ትርጉም ንኺህሉ ድማ መጀመርታን መወዳእታን ኪህሉ ኣለዎ።

ለ. ፍጥረት በቲ ናይ ጠንቅን ሳዕቤንን (cause and effect) ኣካይዳ ዚምራሕ እንተ ኾይኑ፡ ዕላማ ኪህሉዎ ኣይክእልን እዩ፡ ከመይሲ ጠንቅን ሳዕቤንን ብናይ ግብረመልስን ድሕረመልስን መስርሕ ደኣምበር፡ ብመደብ ኣይኮነን ዚሰርሕ። ናበይ ከም ዚኸይድ ድማ ኣይፈልጥን እዩ። እናተኾብኾበ እምበር፡ እናተመርሐ ኣይኮነን ዚኸይድ።

ሐ. ፍጥረት ባዕሉ፡ ውኖ (consciousness) የብሉን። ውኖ ኪኽሰት ዝኸኣለ፡ ናይ ሰብ ሓንጎል ምስ ተፈጥረ ጥራይ እዩ።ውኖ ናይ ተፈጥሮ ኣዚዩ እተጻረየ (complex) ድሙር ናይ ምሕሳብን ምስትንታንን ባህርይ (emergent property) እዩ። ስለዚ ፍጥረት ንባዕሉ ትርጉም ወይ ዕላማ ስለ ዘይብሉ፡ ትርጉም ወይ ዕላማ ከም ዘለዎ ገይሩ ዘቕርበልና ወይ ከቕርበልና ዚፍትን እቲ ኣእምሮና ጥራይ እዩ።

ወድሰብ ንፍጥረት ወይ ንህይወት ትርጉም ወይ ዕላማ ከጥብቀሉ ዝጀመረ፡ ካብቲ ከም ጉጀለ ኮይኑ ናይ ሃድንን ምእረራን ዘመን ሓሊፉ ናብቲ ብብዝሕን ኣብ ከተማታትን ኪነብረሉ ዝጀመረ ናይ ንግድን ሕርሻን ዘመን ምስ ተሳገረ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ካብ ድሑር ማሕበረሰብኣዊ ናብራ፡ ናብ እተሓላለኸ (complex) ወይ ምዕቡል ማሕበረሰብኣዊ ናብራ ምስ ሓለፈ እዩ ብዛዕባ ነብሱን ከባቢኡን መጻኢ ዕድሉን ድሕረ-ሞቱን ኪሓስብ ዝጀመረ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ህይወት ኩነታት፡ እቲ ኣእምሮ ሰብ፡ ኣብቲ ትርጉም ዘይብሉ ከባቢኡ፡ ትርጉም ኪርእይ፡ ኣብቲ ዕላማ ዘይብሉ ናይ ህይወት መስርሕ ድማ ዕላማ ኪርእይ፡ ብውሽጡ ይግደድ ነይሩ ማለት እዩ።

ጥንታውያን ግብጻውያን፡ ንህይወት ዕላማ ወይ ትርጉም ከትሕዙዋ ስለ ዝተደረኹ እዮም ነቲ ፒራሚዳት (መቓብራት) ሰሪሖምዎ። እቶም ፒራሚዳትን ካልኦት እተመሳሰሉ ስሉማትን ውቑራትን መቓብራት፡ ከም ናብ ሰማይ ዚወስዱዎምም ኤርፖርት ኢዮም ነይሮም ኪብሃሉ ይኽእሉ። እቲ ህይወቶምን ትልምታቶምን ኣብታ ዚኸዱዋ ዓለም ኮይኖም ኪቕጽሉዎ እዮም ዚሓስቡ ዝነበሩ። ብመሰረት ሃይማኖቶም ድማ፡ ኣብኡ ንኺሰፍሩ ኣብዛ ዓለም ጽቡቕ ነገራት ኪሰርሑ ነይሩዎም።

ይኹንምበር፡ ኣብ ፍጥረት ሓጸርቲ (micro purpose) ዕላማታት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ መጀመርያን መወዳእታን ዘለዎ ዕላማ እናኣቐመጠ እዩ ዚጎዓዝ፥ ንዓመታ ከምዚ ክገብር እየ። ገንዘብ ምስ ረኸብኩ ከምዚ ክፈጥር እየ። ተማሂረ ሓኪም ክኸውን እየ ምባል ኣይተርፍን። እዚ ግን ኣብቲ ዚሓስብን ኣርሒቑ ኪርኢ ዚኽእልን ናይ ወድሰብ ኣእምሮ ጥራይ እዩ ዚካየድ። እንስሳታት ብደመነፈስ (instinct) ስለ ዚምርሑ፡ ከምዚ ዝበለ መደባት ከውጽኡ ኣይክእሉን እዮም።

ናይ ሰብ ኣእምሮ ንኹሉ ክስተታትን ተርእዮታትን ፍጻመታትን ንኹሉ ከባቢኡን፡ ነቲ ከስተውዕሎ ዘይክእል ነገራትን ትርጉም ንምሃብ ኩሉ ግዜ ድሉው እዩ። ፍጥረት ወይ ተፈጥሮ ባዶሽ ኣይፈቱን እዩ (nature abhors vacuum) ዚብል ብሂል ኣሎ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣእምሮ ሰብ’ውን ባዶሽ ኣይፈቱን እዩ። ንዝኾነ ነገራት ኣብ ኣእምሮኡ ኣእትዩ ትርጉም ከልብሶ እዩ ዚደሊ። እዚ ብሳየንሳዊ ቋንቋ ብዙሕ ስማት ኣለዎ፡ ገለ ካብኡ፥ (pattern- seeking, pareidolia, apophenia)፡ ምጥቃስ ይከኣል።

ንኣእምሮኻ፡ ዝኾነ ዓይነት ትርጉም ወይ መግለጺ ወይ ዕላማ እንተ ዘይሂብካዮ ኣየደቅሰካን ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ከባቢኻ ወይ ነቲ ኣብኡ ዚፍጸም ወይ ዚኽሰት ነገራት መግለጺ ወይ ትርጉም ንኽትህቦ ትግደደ ኢኻ። ከምዚ ንምግባር ድማ ኣብቲ ዕላማ ወይ ትርጉም ዘይብሉ ነገራት፡ ዕላማን ትርጉምን ንኽትፈጥር ካብ ጥንቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዝሰረጸ ወይ ፕሮግራምድ ዝኾነ ባህርይ ኣጥሪኻ ኢኻ።

እቲ ህቡብ ሳየንሰኛ፡ ኣልበርት ኣይንሽታይን፡ ኣቐዲሙ ኢሉዎ እዩ፥ ሓቃውነት ወይ ፍጥረት፡ ከም ሕልሚ እዩ፡ ግን ከኣ ቀጻልን ዘይሕለልን ሕልሚ እዩ። Reality is merely an illusion, albeit a very persistent one.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com