Saturday , May 18 2024

ውህደት

ሽወደናውያን ተመራመርቲ፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ክዓግት ከም ዝኽእል ዝንገረሉ ባእታ ምሂዞም ተባሂሉ

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሻልመርዝ፡ ዮቶቦሪ፡ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ንቫይረስ ኮሮና ክቐትል ከም ዝኽእል ዝንገረሉ ባእታ ከምዝመሃዙ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ዝተማህዘ ባእታ “ፐፕቲዳት” ዝተባህለ ዓይነት ፕሮቲን ኮይኑ ናብ ኣዝዩ ንኡስ ኣካል ብምድቓቕ ምስ እንጥቀመሉ ንቫይረስ ኮሮና ክቐትል ተኽእሎታት ከምዘለዎ እቲ ውጽኢት ይሕብር። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ኣተባባዒ እዩ ክብል ናይ ስነ-ቀመማት መምህርን ሓላፊ ጉጅለ ተመራመርትን ዝኾነ ማንቲን ኣንደርሾን  ብምውሳኽ ገሊጹ። እዚ ሓድሽ …

Read More »

ድሕሪ ጽምብል መመረቕታ ተማሃሮ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ መንእሰያት ወሲኹ ተባሂሉ

ኣብ ቀዳሞት ክልተ ስሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ፡ ኣብ ዓመተ 2001 ዝተወልዱ፡ መንእሰያት ብተዓጻጻፊ ከምዝወሰኸ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ምጅማር ወርሒ ሰነ ዝነበረ ናይ ተማሃሮ መመረቕታ ጽምብላት ኣብ ምውሳኽ ናይቲ ለበዳ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጋዜጣ GP ገሊጹ። ምዝያድ ቁጽሪ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ከባቢታት ስካራቦሪን ዮቶቦሪን ጎሊሑ ከምተራእየን እቶም ግዳያት ድማ ፎርኮስቲ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ምህዞታትን ርኽበታትን ሳዕቤኑን (inventions and discoveries)

ኣማኑኤል ሳህለ ዝበዝሕ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ምሂዙ ኪብሃል ንሰምዕ። ግን ዝኾነ ምህዞ ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣይክስተን እዩ። ብብዙሓት ኣእዳው ተመራመርቲ ዝሓለፈ መስርሕ እዩ እንተ ተባህለ ይምረጽ። እቲ ምሂዙ ዚብሃል ሰብ፡ እቲ ነቲ ኪምሃዝ ዝነበሮ ነገር ወይ ሓሳብ ወይ ፍልስፍና ጥራይ ኢዩ ኣብ ዕላማኡ ወይ ኣብ ጥርዙ ከብጽሖ ዝኸኣለ። ንኣብነት ራድዮ ብጉልየልሞ ማርኮኒ ተማሂዛ ንብል። ግን ቅድሚ ራድዮ ምምሃዛ፡ …

Read More »

“ጸሓይ ክረምቲ” ኣብ መወዳእታ ናይ ዝቕጽል ሰሙን ክምለስ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሽወደን፡ ዝናብን ንፋስን ዝዓብለሎ ክሊማ፡ ነቶም ናይ ክረምቲ ጸሓይ ከስተማቕሩ ዝደልዩ ሰባት ስምዒቶም ኣባላሽዩ ከምዝቐነየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ መወዳእታ ናይ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ ግን ምዉቕን ጸሓይ ዝዓብለሎ ክሊማ ክህሉ ከምዝኽእል ሜትሮሎጂካዊ ትምቢታት ከም ዝሓበሩ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ገሊጻ። ኣብዘን ተሪፈን ዘለዋ ናይዚ ሰሙን መዓልታት ክሳብ መወዳእታ ናይ ዝቕጽል ሰሙን ዘይርጉእን ትሕት ዝበለ መጠን ሙቐት ዘለዎ ክሊማ ክህሉ ምኻኑን …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ 03 ሓምለ 2020 – Swedish News in Tigrigna 03 July 2020 –

Read More »

ሰልፊ SD፡ ንመጎልበብ (መቕንዓት) ጸጉሪ ርእሲ ዝምልከት ኣመሓላሊፍዎ ዝነበር ውሳኔ ስሒብዎ

ኣብ ምምሕዳር ፊሊንጋ፡ ደቡብ ሽወደን፡ ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርታት መጎልበብ ጸጉሪ ርእሲ፡ መሸፈን ገጽ (ኒቓብ) ን ካልእ መንነት ተማሃራይ ዝሓብእ ክዳውንቲ ተኸዲንካ ምምጻእ ዝኽልክል ውሳኔ ብሰልፊ SD ቀሪቡ ከምዝነበረ ይዝከር። ነዚ ውሳኔ ብዝምልከት፡ ካብ ካልኦት ሰልፍታት ሽወደን ተቓውሞታትን ጸቕጥን ስለዝቐረበ፡ ሰልፊ SD ነቲ ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ ውሳኔ ክስሕቦ ከምተገደደ TT ሓቢሩ። እቲ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ፡ ምስ ሕጊ ሽወደን ዘይሰማማዕ እዩ ክብል ኣብ …

Read More »

ምምሕዳር ቬስተርኖርላንድ፡ ባዕላዊ መርመራ ኮሮና (PCR) ክጅመር እዩ ተባሂሉ

ባዕላዊ መርመራ ኮሮና ካብ ዕለት 02/07/2020 ጀሚሩ ኣብ ምምሕዳር ቬስተርኖርላንድ ክጅምር ምኻኑ ተፈሊጡ። ምዝጉብ ነባሪ ምምሕዳር ቬስተርኖርላንድን ዕድሜኻ ድማ ልዕሊ 15 ዓመት እንተድኣ ኮንካ እሞ ድማ ከም ረስኒ፡ ሰዓል፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት፡ ናይ ኣፍንጫ ጸረርታ፡ ናይ ጎረሮ ቃንዛ፡ ሕማም ርእሲ፡ ዕግርግር፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን መለጋግቦን፡ ውጸኣትን ምጥፋእ ናይ ምጭናውን ምስትምቓርን ዓቕሚ ዝኣመሰሉ ምልክታት ሕማም ኮሮና እንተድኣ ተራእዮምኻ (ተሰሚዖምኻ) ኣብቲ ናይ ኣሃዱ …

Read More »

ኣብ ግጥማት ኣልስቫንስካን ሽወደን ዝደምቅ ዘሎ ናሆም ግርማይ።

ኣብዚ ዓመት ፈላማይ ናይ ላዕለዎት ዲቪዝዮን ምስ ጋንታ ሲሩስ ዘካይድ ዘሎ ናሆም ግርማይ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ክለብ ፋልከንበርይ ሸቶ ብምምዝጋብ ን ጋንትኡ ምስ ላዕለዎት ሰለስተ ክትስራዕ ኣኽኢልዋ። ኖሆም ግርማይ ኣብ ከተማ ከተማ ክሪስታንስታድ ብ 1994 ዝተወልደ ኮይኑ ፈላሚ ጸወትኡ ገና ብንእስነቱ ኣብ 2012-13 ምስ ትሕቲ 19 ዓመት ክለብ ክሪስታንስታድ ብምጅማር ኣብ 2018 ናብ ዓባይ ክለብ ቫርበርይ ብምስግጋር ኣብ ይዕይንቲ ዓበይቲ …

Read More »

መንግስታዊ ውሳኔ፡ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራታት ምስግጋሮም ንመሰላት ረብሓታት ሕማም (sjukpenning) ኣይጸልዎን እዩ

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራታት ምስግጋሮም ወይ ድማ ምስራዞም ንመሰላት ረብሓታት ሕማም (sjukpenning) ከምዘይስርዞም፡ መንግስቲ ሽወደን ከም ዝኣወጀ SVT ሓቢሩ። ሓደ ሕሙም ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዝነበሮ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራ እንተደኣ ተናዊሑ፡ እቲ ናይ ሕማም ረብሓታት መሰሉ ድሕሪ 180 መዓልታት ሕሉው ኽኸውን ከምዝግባእ መንግስቲ ሽወደን ምስ ሳንዱቕ ማሕበራዊ ውሕስነት ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይዝከር። ትማሊ ረቡዕ ድማ መሰላት ሕሙም ዝሕሉ መንግስታዊ ውሳኔ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናብ ሽወደን ናይ ምምላስ እገዳ ከፍርሶ ወሲኑ ተባሂሉ

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናብ ሽወደን ናይ ምምላስ እገዳ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ከፍርሶ ከም ዝወሰነ መንግስታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ። ቅድሚ ሕጂ ብጀካ ነቶም ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ዜጋታት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት እንተዘይኮይኑ ንኻልኦት ዜጋታት ናብ ሽወደን ንኸይኣትዉ ዝእግድ ውሳኔ ምንባሩ ይዝከር። ካብ’ቲ ተወሲኑ ዘሎ ዕለት ጀሚሩ፡ ኩሎም ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ናብ ሽወደን ብዝኾነ ዓይነት ምኽንያት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com