Sunday , May 19 2024

ዜና

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 14-04-2023

Read More »

ስቶክሆልም፥ ሓደ መንእሰይ ብጥይት ተቐቲሉ።

ኣብ ደቡባዊ ሸወደን ከባቢ “ራግስቨድ”፡ ትማል ፍርቂ ለይቲ ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከብ መንእሰይ ብጥይት ከም እተቐትለ ተገሊጹ። እቲ መንእሰይ፡ ኣብ ኣፍደገ መእተዊ በሪ ትሕተ ምድራዊ ጽርግያ፥ ብብርቱዕ ቆሲሉ ከም እተረኽበን፡ ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጻሕ ከም ዝሞተን ሬድዮ ቢቢሲ ጸብጺባ። ፖሊስ ኣፈናዊ መርመራ እዚ ቅትለት ጀሚሮም ኣለዉ።

Read More »

ዘለስንኪ ምስያፍ ወተሃደር ዩክሬይን ንዘርኢ ቪድዮ ብትሪ ኮኒኑ።

ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፥ ነቲ ዩክሬናዊ ወተሃደር እናተሰየፈ ዘርኢ ቪድዮ ኣመልኪቱ ናብ መራሕቲ ዓለም ጻውዒት ጌሩ። "ኲሉ ሰብን መራሕቲን ግብረመልሲ ክህቡ ኣለዎም፡ እዚ ክርሳዕ እዩ ኢልኩም ክትጽበዩ የብልኩምን” ክብል ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ገሊጹ። ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን፥ ነዚ ብሩስያ ዝተፈጸመ ገበን ኲናት ክምርምሮ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ቪድዮ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ ዝበለ ባይቶ ሩስያ–ክረምሊን፥ እዚ ቪድዮ ዝሰርሖ መን ምዃኑ ክጻረ …

Read More »

መፍረ መካይን ቮልቮ ኣዝዩ ገዙፍ መኽሰብ ይረክብ።

መካይን ቮልቮ ኣብ ፈለማ ርብዒ ዓመት 2023 ናይ 18.4 ቢልዮን ክሮና መኽሰብ ረኺቡ። ምኽንያት እዚ ዓብዪ መኽሰብ ብምኽንያት ለበዳ ዝመጸ ዓብዪ ጠለብን ንዕኡ ዝዳረግ መፍረን እቲ ኲባንያ መካይንን እዩ። እዚ መኽሰብ ካብ ትጽቢት ዝልዕል ምዃኑ ተንተንቲ እቲ ኲባንያ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

ቮድካ “ኣብሶሉት” ናብ ሩስያ ዝገብሮ ሰደድ ቀጺልዎ።

  ኣዝዩ ስሙይ “ቮድካ” ሽወደን–ኣብሶሉት–ዳግማይ ናብ ሩስያ ሰደድ ክግበር እዩ። ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እዚ ሰደድ ንኣስታት ሓደ ዓመት ደው ኢሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ብ ወላዲ ኲባንያ ኣስቦሉት ዝኾነ “ፐርኖድ ሪካርድ” እተወስደ ውሳነ፥ ብ ፖለቲከኛታት ሽወደን ሓዊስካ ናይ ኦንላይን ነቐፌታ ከም ዘጋጠሞ ተፈሊጡ’ሎ። ሓንቲ ፍልጥቲ ጋዜጣ ሽወደን እዚ ፍርያት ክእገድ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪባ’ላ። እዚ ቮድካ ኣብ ዝፈርየሉ …

Read More »

ኤጀንሲ ስደተኛታት ን ብይን ምስጓጒ ካትሊን ፑል ኣቋሪጽዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ን ጓል 74 ዓመት ብሪጣንያዊት ሕምምቲ “ኣልዜይመርስ” ኣመልኪቱ ኣውጺእዎ ዝነበረ ናይ ምስጓጒ ውሳነ ደው ኣቢልዎ። ብሕማም ምርሳዕ (ኣልዜይመርስ) እትሳቐ ካትሊን ፑል፥ ኣብ ሽወደን ንኣስታት 20 ዓመታት ተቐሚጣ’ላ። እንተኾነ ግና ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምውጽኣ፥ ኣብ ሽወደን ክትመጥ ከም ዘይትኽእል ን ዓዳ ክትስጐጒ ምዃናን ስድራኣ ተነጊርዎም ኔሩ እዩ። በዚ ድማ ስድራኣ ናብ ብሪጣንያ ዘይትምለሰሉ …

Read More »

ዝተፈትሓ ደቀንስትዮ ኣብ ቲክቶክ ብዙሕ መድሃልቲን ጸርፊን ይወርደን።

ዝተፈትሓ ደቀንስትዮ ኣውሮጳ–ብፍላይ ድማ እተን መበቆለን ካብ ማከላይ ምብራቕ ዝኾነ ደቀንስትዮ–ኣብ ቲክቶክ ብዙሕ መድሃልቲን ጸርፊን ይወርደን ምህላዉ ተፈሊጡ። መርማሪት ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን–ካሊበር–ኣብ ከምዚ ዓይነት ንጥፈት እተዋፈራን ናይ መን ምዃነን ዘይፍለጣን ሽዱሽተ ሕሳባት ቲክቶክ ኣለልያ’ላ። ካብዚኣተን እታ ዝዓበየት ሕሳብ ስማ “ዚ ኤክሰክዩሺነር ኦቭ ዲኦርስድ ዉመን” ማለት–“ቀታሊ ዝተፋትሓ ደቀንስትዮ” እዩ። ነተን ነዘን ደቀንስትዮ “ኣመናዝር” ኢለን ኣብ ልዕሊ ምጽራፍ፥ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ …

Read More »

ኣቕረብቲ ናውቲ ህንጻ ሰራሕተኛታተን ከሰናብታ እየን።

ኣፍረይቲ ንጻፍ ምድሪቤት፡ መሳዂቲን መዓጹን ገለ ሰራሕተኛታት ከሰናብቱ ምዃኖም–ክፍሊ ኢንዱስትሪ እቲ ጽላት ኣተሓሳሲቡ። እዚ ክገብር ዝወሰነሉ ምኽንያት ህንጻ ኣባይቲ ብምንካዩ፡ ዋጋታ ኣባይቲ ከኣ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ብምብጽሑ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣባይቲ ዝሃንጻ ኲባንያታት ብወገነን፡ ሰራሕተኛታት ከጒድላ ምዃነን ገሊጸን ኣለዋ። ኲባንያታት ሽወደን ሰራሕተኛታተን ድሚ ምስንባተን ናይ መተሕሳሰቢ ምልክታ ከም ዘውጽኣ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እንተኾነ ግና እዚ ማለት ልዑል ተኽእሎ እቲ ኲነታት እምበር ግድነት …

Read More »

ሓለዋ ገማግም ኢጣልያ፥ 1200 ስደተኛታት ዝጸዓና ጀልቡ ካብ ምጥሓል ኣድሒኖም።

ሓለዋ ገማግም ኢጣልያ፥ ኣብ ገማግም ሲሲሊ፡ ክልተ መጠነ ሰፊሕ ስርሒታት ብምክያድ 1200 ስደተኛታት ዝጸዓና ጀልቡ ካብ ምጥሓል ኣድሒኖም። ኣብ ሓንቲ ካብዘን ጀላቡ 800 ሰባት፥ ኣብታ ካልአይቲ ኸኣ 400 ሰባት ተሳፊሮም ምንባሮም ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ። ሓለዋ ዶብ እታ ሃገር፥ ካብ ዓርቢ ኣትሒዙ ዛጊት 2,000 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ኣድሒኑ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፥ ክልተ ሰባት ከም ዝጠሓሉ ጀርመናዊ ብዘይ መኽሰብ ዝዓዪ ትካል …

Read More »

መድቨደቭ፥ “ዩክሬይን ንዓለም ኣይተድልያን እያ፡ ስለዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክትጠፍእ ጥራይ እዩ ዘለዋ”

ዩክሬይን ንዓለም ኣይተድልያን እያ፡ ስለዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክትጠፍእ ጥራይ እዩ ዘለዋ፥ ክብል ምክትል ኣቦመንበር “ቆንስል ጸጥታ ሩስያ” ዲሚትሪ መድቨደብ ብቕድሚ ትማል ሰንበት፥ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ ገሊጹ። እቲ “ዩክሬይን ስለምንታይ ካብ ካርታ ዓለም ክትሕከኽ ኣድልዩ? ምኽንያቱ ንማንም ስለ ዘይተድሊ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣብ ሽዱሽተ ክፋላት ዝተመቕለ እዩ። ኣብቲ ጽሑፍ መድቨደቭ፥ ሃገረ ዩክሬይን ን ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካ፥ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com