Monday , May 20 2024

ዜና

ፊንላንድ፥ ሰብመዚ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣኻልብ ዘሰጋግር ውድብ ምህላዉ ቃልዕ ጌሮም።

ሰብመዚ ኖርወይ ኣብ መንጎ ሩስያን ፊንላንድን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣኻልብ ዘሰጋግር ውድብ ምህላዉ ቃልዕ ጌሮም። ትምዩን ሰነድ፡ “ማይክሮቺፕስ” ከምኡ’ውን መድሃኒታት ካብ ሩስያ ናብ ፊንላንድ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ክኣቱ ምጽንሑ፥ እዚ ብ ጉምሩኽን ፖሊስን ፊንላንድ ቃልዕ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ጒዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ዓሎቕ-ግብርን ኣብ ዝብል ክሲ ክረአ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ስርሒት ዝጀመረ፥ ጒምሩኽ ፊንላንድ ን እንስሳ ዘቤት ተባሂሉ ዝወጸ ማይክሮቺፕን ኣስማት ዘይብሉን …

Read More »

ምምሕዳራት ከተማ ን ክራይ ዝኸፍላኦ ዘለዋ መጠን ገንዘብ ኣብዚ ዓመት ኣዝዩ ይውስኽ።

ምምሕዳራት ከተማ ን ክራይ ኣባይቲ ዝኸፍላኦ ዘለዋ መጠን ገንዘብ፥ ኣብዚ ዓመት ኣዝዩ ምውሳኹ ተፈሊጡ። በዚ ድማ ኣብ ኲባንያታት ሪል እስቴት ወጻኢ ዝምርኮሱ፥ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኲነታት ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ኣብ ሉሌያ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ዝተገብረ ወሰኽ ክራይ ን 30 ናይ ምሉእ ግዜ ነርስታት እቲ ትካል ደሞዝ ክከፍል ዝኽእል መጠን ምዃኑ፥ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። …

Read More »

ሽወደናውያን ካብ ወጻኢ ዝመጸ ስጋን ውጽኢት ጸባን ብብዝሒ ይሽምቱ።

ኲናት፡ ዝቕባበን ክብሪ ዋጋ መግቢን ን ሸመታ መግቢ ሽወደናውያን ይጸልዎ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ጽልዋ ብፍላይ ኣብ ስጋ ርኡይ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ሽወደናውያን ገንዘብ ይሓጽሮም ብምህላዉ፥ ኣብ ክንዲ ስጋ ውሽጢ ሃገር ካብ ወጻኢ ዝመጸ ስጋን ውጽኢት ጸባን ብብዝሒ ይሽምቱ ምህላዎም “ቦርድ ሕርሻ ሽወደን” ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ብዩርበክ ደቡባዊ ሽወደን ሓረስታይ ስጋን ውጽኢት ጸባን ዝኾነት ኮሪ ናምቢን፥ እዚ ምዕባለ ንመጻኢ ዕድል …

Read More »

ኣመሪካ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ።

ፊንላንድ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ቀትሪ ብዕሊ ኣባል ኔቶ እናኾነት፥ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ስቶክሆልም ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሽወደን ምብጻሕ ምፍጻሞም ተፈሊጡ። ኣብዚ ምብጻሕ፥ ኣባላት ሰልፊታት ዴሞክራሲን ሪፓብሊክን ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ዕላማ እቲ ምብጻሕ ኣመሪካ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ እዩ ኔሩ ተባሂሉ’ሎ። እቶም ኣባላት ኮንግረስ ሽወደን ምስ ቱርክ ዝኣተወቶ ውዕል ክትፍጽም ከም ዝግብኣ ገሊጾም ኣለዉ። “ኣብ ቱርክ ባህርያዊ …

Read More »

ፖሊስ ስርሖም ውሑስ ዝገብር ውጥን ትግባረ ኣውጺኦም።

ፖሊስ ኣብ እዋን ጎነጻዊ ናዕቢ፡ ስርሖም ውሑስ ክኸውን ዝገብር 50 ምድላዋት ዘጠቓልል ውጥን ትግባረ ይፍጽሙ’ለዉ። ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተፈላልያ ናእሽቱን ዓበይቲን ከተማታትን ብዝተኻየደ ናዕቢ፥ ኣስታት 300 ፖሊስ ኣካላዊ መጒዳእቲ ከም ዝወረዶም፡ ገለ ክብዚኣቶም ከኣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክንክን ይግበረሎም ምህላዉ፥ “ማሕበር ፖሊስ” ይገልጽ። ብፍላይ ድማ ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን፥ መጽሓፍ ቊርኣን ከቃጽል ምዃኑ ድሕሪ ምፍርራሁ፡ ን ፖሊስ ጒድኣት ዘውረደ ህዝባዊ ናዕቢ …

Read More »

ኖርወይ፥ ፖሊስ ዝበዝሐ ዕጸ-ፋርስ (ኮኬይን) ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእትዮም።

ኣብዚ ሰሙን ፖሊስ ኖርወይ ዝበዝሐ መጠን ዕጸፋርስ–ኮኬይን–ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእይቶም። እዚ 8 ኲንታል ዝምዘን ዕጸፋርስ፥ ኣብ ኦስሎ ኣብ ውሽጢ ሳናዱቕ ፍረታት እዩ ተሓቢኡ ተረኺቡ። እቲ ዕጸፋርስ ዝተታሕዘ፥ ሰብመዚ ኖርወይ ካብ ፖሊስ ጀርመን ብዝረኸብዎ ሓበሬታ እዩ። ፖሊስ ጀርመን እውን ትማል ሰሉስ፥ ኣብ ፖስትዳም 12 ኲንታል ዕጸፋርስ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምእታዎም፥ ማዕከን ዜና “ኖርወይ ኒውዝ” ሓቢራ። እዚ ዕጸፋርስ፥ ኣበየናይ መዓልቲ ከም እተታሕዘ፡ …

Read More »

ቤት ፍርዲ ስቶክሆልም ንክልከላ ፖሊስ ውዱቕ ጌርዎ።

ፖሊስ ስቶክሆልም፥ ኣብ ምጅማር እዚ ዓመት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲታት ቱርኪን ዒራቕን ክካይድ ተሓሲቡ ዝነበረ ምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን፥ ፍቓድ ክኽልክሉ ዝኾነ መሰል ኣይነበሮምን ክብል ቤት ፍርዲ ብይኑ ሂቡ። እቲ ሰልፈኛታት ድላዮም ከይፍጽሙ ብፖሊስ እተገብረ ክልከላ፥ ኣንጻር ሽወደን ዝግበር ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንክውስኽ ምኽንያት ክኸውን እዩ ዝብል እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግና፥ ቤት ፍርዲ እቲ እተዋህበ ምኽንያት ኣዕጋቢ ኣይኮነን ክብል ነጺግዎ’ሎ። ሓሳባካ ናይ ምግላጽን …

Read More »

ስቶክሆልም፥ ቀዳማይ መጋባእያ ናይቶም ብ ጎነጽ እተኸሱ ኣርባዕተ ሰባት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ድሕሪ ዘጋጠመ ተዂሲን ምፍንጃራትን፡ ቀዳማይ መጋባእያ ናይቶም ምስዚ ጎነጽ ብዝተሓሓዝ እተኸሰሱ ሰለስተ ኮተቴን ሓደ መንእሰይን ሕጂ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ሰለስተ ካብዞም ኮተቴ ኣብ በዓል ልደት ኣብ ስቶክሆልም ከባቢ ጉቤንገን ናብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብኦቶማቲክ ብረት ጠያይት ብምትኳስ ተኸሲሶም ኣለዉ። እቶም ተኸሰስቲ ነቲ ገበን ኣይወዓልናዮን ብምባል ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ። ክልተ ካብዞም ተኸሰስቲ …

Read More »

ኣብ ገለ ክፋላት ሽወደን ተሓከምቲ ስኒ ነዊሕ መስርዕ ክሕዙ ይግደዱ ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣብ ገለ ክፋላት ሽወደን ናይ ስኒ ሕክና ዝገብሩ ተሓከምቲ ነዊሕ መስርዕ ክሕዙ ይግደዱ ምህላዎም ተገሊጹ። ምኽንያት እዚ ጸገም፥ ሕጽረት ጸጋታት ሕክምና ኣስናን ዘይኮነ ኣብ መንጎ ምምሕዳራት ሸወደን ዘሎ ምቕርሐ ሓካይም እዩ ክትብል ፕረሲደንት “ማሕበር ህዝባዊ ክንክን ኣስናን” ጉኒላ ስዋንስትሮም ገሊጻ። “ዘይከም ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣብ ሽወደን ሕጽረት ናውቲ ሕክምና ኣስናን የለን፥ እንተኾነ ግና ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ጻዕቂ ሓካይም ክህሉ …

Read More »

ፊንላንድ ብዕሊ ኣባል ኔቶ ድሕሪ ምዃና፡ ድሉውነት ሰራዊት ሽወደን ምሉእ ምህላዉ ተገሊጹ።

ፊንላንድ ብዕሊ ኣባል ኔቶ ድሕሪ ምዃና፡ ሰራዊት ሽወደን ድሉውነቱ የማልእ ምህላዉ ወኪላት ገሊጾም። "ፖለቲካዊ ውሳነ ጥራይ ኢና ንጽበ ዘሎና፥ እንተዘይኮይኑ ሕጂ’ውን ናብ ኔቶ ክንጽንበር ድሉዋት ኢና" ክብል ምክትል ኣድሚራል ሓይሊ ባሕሪ ሽወደን፥ ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን ወኪል ሰራዊት ሽወደን ናይቲ ኣብ ብራስለስ ዝመደብሩ ኔቶ ዝኸውን ዮናስ ሃግረን ገሊጹ። ፊንላንድ ን ሽወደን ቀዲማ ኣባል ኔቶ ምዃና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝህልዎ ኣሉታዊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com