Sunday , May 19 2024

ጥዕና

ባየርን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ስፑትኒክ ቪ ክትዕድግ እያ

ምምሕዳር ባየርን (ባቫርያ)፡ ፍርያት ሩስያ ዝኾነ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ብበዓል መዚ መድሃኒት ኤውሮፓ ተቐባልነት እንተድኣ ረኹቡ፡ 2.5 ሚልዮን ብልቃጥ፡ ክትዕድግ ድልው ምህላዉ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ምምሕዳር ባየርን ምስቲ ኣብ ከተማ ኢለርቲሰ (Illertissen) ዝተዶከነ ፋብሪካ መፍረ ሩስያዊ ክታበት፡ ኣቐዲሙ ውዕል ከምዝተፈራረሙ ፕረዚደንት’ታ ምምሕዳር፡ ማርኮስ ሶዳ፡ ገሊጹ ክብል መጽሔት ደር ሽፒግል ኣቃሊሑ። ከምዝፍለጥ፡ ሰብ መዚ ሃገረ ሃንጋሪ፡ ንክታበት ስፑትኒክ …

Read More »

Harmony Media News 07/04/2021

Read More »

ድሕሪ መመረቕታ፡ ስራሕ ንምርካብ፡ ከቢድ ኮይኑ

መጠን ናይቶም ኣብ ዓመተ 2020 ካብ ትምህርቲ ተመሪቖም ስራሕ ክረኽቡ ዝኸኣሉ ሰባት፡ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብጣዕሚ ከምዝጎደለ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዓመተ 2020፡ ካብቶም ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝወድኡ ተማሃሮ፡ 59% ጥራይ፡ ስራሕ ክረኽቡ ክኢሎም። ኣብ ዓመተ 2019፡ እቲ መጠን፡ 69% ምንባሩ ይዝከር። እቲ ኣብ መንጎ እቶም …

Read More »

ኣሜሪካውያን መንእሰያት፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሳምንታት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ እዩም

ኣብ ዕለት 1 ግንቦት 2021፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሜሪካውያን መንእሰያት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ንኽኽተቡ፡ ብመንግስቲ ኣሜሪካ መደብ ተታሒዙ ከምዝነበረ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝተታሕዘ መደብ፡ ክልተ ሳምንታት ብምቕዳም፡ ኣብ ዕለት 19 ሚያዝያ 2021፡ ክዛዘም ከምዝኽእል፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ። እቶም ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ዝነበረ ከም ሽማግለታት፡ ሕሙማትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዝኣመሰሉ ክፋላት ሕብረተሰብና፡ ክታበት …

Read More »

ዴኒማርካውያን፡ ናብ እንዳ መስተኻኸሊ ጸጉሪ ክኸዱ ተፈቒዱ

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ጽኑዕ መምርሒታት ኮሮና ከምዘፍኮሰ ሓቢሩ። ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚረን፡ ትካላት መስተኻኸሊ ጸጉሪ ርእሲ፡ እንዳ መሻጢት፡ እንዳ መነቀሺ ( tattoo parlors)፡ ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን እንዳ ሶላሪዮምን ( ኣብ ሕክምና ጸሓይ ንመጽለዊ ዝጠቅም ብመስትያት ዝተሸፈነ ገዛ)  ነቶም ናይ ኮሮና ፓስፖርት፡ ናይ ጸረ ኣካል ሰርቲፍኬትን ናይ 72 ሰዓታት ዕድመ ዘለዎ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ንዘቐርቡ ሰባት፡ ክፉታት ምኻኖም ገሊጹ። ናይ ርሑቕ …

Read More »

Harmony Media News 05/04/2021

Read More »

Harmony Media News 02/04/2021

Read More »

ዓዲ እንግሊዝ፡ ኩነታት ክታበት ኮቪድ-19

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብቶም 18.1 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝተኸትቡ ዜጋታት፡ ኣስታት 30 ዝኾኑ ሰባት፡ ደም ናይ ምርጋእ ተርእዮታት ከም ዘጋጠሞም ብሪጣንያዊ በዓል መዚ መድሃኒት (MHRA) ሓቢሩ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቶም ካብ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝተኸትቡ ዜጋታት ግን ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ጎድኒ ከምዘየርኣዩ MHRA ገሊጹ።  

Read More »

የመን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ረኺባ

ሃገረ የመን፡ ንፈለማ ግዜ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ብመንገዲ ግሎባል ኮቫክስ ምርካባ ተገሊጹ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ መንግስቲ የመን፡ ብሰንኪ ካልኣይ ማዕበል ኮቪድ-19 ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ኣብ ህንዲ ዝፈረየ 300 ሽሕ ብልቃጥ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ድሮ ናብ ከተማ ዓደን ምብጽሑ ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። ሃገረ የመን፡ ንብዙሓት ኣብ ሓደጋ ዘለዉ፥ ከምኡ ውን …

Read More »

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ቀዳምነታት ናይ ራብዓይ መድረኽ ክታበት ክውስና እየን

ነቶም ኣብ ራብዓይ መድረኽ መስርሕ ክታበት ክወሃቦም ተዳልዮም ዘለዉ ካብ 18 ክሳብ 59 ዓመት ዕድመ ዘለዎም 4 ሚልዮን ዝኣኽሉ ዜጋታት ሽወደን፡ ንቐዳምነታት ብዝምልከት፡ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ስልጣን ተዋሂብወን ከምዘሎ ሽወደናዊ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ምምሕዳራት ሽወደን፡ ንቀዳምነታት ክውስና ማለት፡ ኣብ ገለ ምምሕዳራት፡ ደቂ 20 ዓመት መንእሰያት ምስ ደቂ 59 ዓመት ሰብኡት ኣብ ሓደ እዋን ክታበት ክወሃቦም እንከሎ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com