Sunday , May 19 2024

ጥዕና

ኣብ ቬስትራ ጎትላንድ፡ መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ 79 ሰባት፡ ናብ ሆስፒታል ብምእታዎም፡  መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ በዓል መዚ ጥዕና ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሆስፒታል ዝእለዩ ዝነበሩ ሕሙማት ኮሮና፡ 288፡ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ እቲ ቁጽሪ፡ ብ27% ብምውሳኹ ናብ 367 ክብ ምባሉ ይፍለጥ። ሆስፒታላት፡ ከዕለቕልቓን መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ምዕባዩን ኣብ …

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣወንታዊ ኣንፈት የርኢ

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን፡ ምንቁልቋል እንዳ ኣርኣየ ይመጽእ ምህላዉ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሎሚ ሶኑይ ኣቃሊሑ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይ ስራሕ ኣልቦ ሰባት፡ 442 ሽሕን 5 ሚእትን፡ ምዃኑ መዝገባት ኣርቤትስፎርሜድሊን ይሕብሩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሰሙን ዝነበረ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ 8.6%፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሰሙን ናብ …

Read More »

Harmony Media News 26/03/2021

Read More »

በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ብዛዕባ ክታበት ኮሮና፡ ጸብጻቡ የቕርብ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ንኽቅበሎም ትጽቢት ገይርሎም ዝነበረ ብዝሒ ብልቃጥ ክታበት ኮሮና ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ መጨረሽታ ናይ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመተ 2021፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን፡ ክታበት ኮሮና ክረኽቡ መደብ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ መደብ፡ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል፡ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ቀዳማይ ርብዒ …

Read More »

ሃገረ ኖርወይ፡ ንክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንተወሰኽቲ ሰለስተ ሳምንታት ከምዘይትጥቀመሉ ገሊጻ

ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ ልዕሊ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ተወሳኺ መጽናዕታት ከተካይድ መደብ ስለዘለዎ፡ ነቲ ክታበት፡ ንተወሳኺ ሰለስተ ሳምንታት ካብ ጥቕሚ ደው ከተብሎ ምዃና ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ውሳነ ክንውስን እንከለና፡ ብጣዕሚ ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ቅኑዕ ውሳኔ ኢልና ስለዝኣመንናሉ ከነተግብሮ ተበጊስና ኣለና ክብል ዳይረክተር በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ (FHI)፡ ካሚላ ስቶልተንቤሪ፡ ምስ ኖርወያዊ ማዕከን VG ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ፡ ገሊጻ። …

Read More »

Harmony Media ዜና መጽሔት 25 መጋቢት 2021

Read More »

Harmony Media News 22/03/2021

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ (Skåne)፡ መጠነ መልከፍቲ ኮሮና ወሲኹ

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት፡ ከምእንደገና ምውሳኹን እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብዙሓት ሰባት፡ መርመራ ኮሮና ስለዘካየዱ እዮም ክትብል፡ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ስኮነ፡ ኤቫ መላንደር፡ ሓቢራ። ኣብቲ ዝተኻየደ መርመራታት፡ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘየርኣዩ ሰባት ከምዝረኸብናን ካልኦት ምስኦም ዝቐርቡ ዝነበሩ ሰባት ድማ መርመራ ከካይዱ ብምሕባርና ዝተረኽበ ውጽኢት እዩ ክትብል፡ መላንደር፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። መጠነ መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ መንጎ …

Read More »

ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ መናፈሻታትን መዐሽጊ መካይንን ክዓጹ መደብ ሒዙ ኣሎ

ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ መዕሸግ መካይንን መናፈሻታትን ክዓጹ መደብ ገይሩ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ምስቲ ኣብ ቀጻሊ ዝመሓላለፍ መምርሒታት ኮሮና ክውሰን ምዃኑ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ እታ ናይ ፈለማ ምምሕዳር፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት መደብ እተተግብር ዘላ እያ ክብል ወሃብ ቃል ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ አሪክ በርየር፡ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት …

Read More »

ቼክ ሪፓፕሊክ….. 25 ሽሕ ሰባት፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሞይቶም

ኣብታ 10.7 ሚልዮን ነባሪ ዘለዋ ሃገረ ቼክ ሪፓፕሊክ፡ ሓንቲ ካብተን ብኸቢድ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ዝተጠቕዓ ሃገራትን ዝለዓለ መጠን ሞት ካብ ዘጋጠመን ምዃና ትፍለጥ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃገረ ቼክ ሪፓፕሊክ፡ ብድምር ኣስታት 25 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ መዓልታዊ 200 ሰባት ከምዝልከፉን በዓል መዚ ጥዕና እቲ ሃገር ሓቢሩ። መንግስቲ ሃገረ ቼክ፡ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ንምግታእ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com