Monday , May 13 2024

ሃገረ ኖርወይ፡ ንክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንተወሰኽቲ ሰለስተ ሳምንታት ከምዘይትጥቀመሉ ገሊጻ

ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ ልዕሊ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ተወሳኺ መጽናዕታት ከተካይድ መደብ ስለዘለዎ፡ ነቲ ክታበት፡ ንተወሳኺ ሰለስተ ሳምንታት ካብ ጥቕሚ ደው ከተብሎ ምዃና ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ውሳነ ክንውስን እንከለና፡ ብጣዕሚ ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ቅኑዕ ውሳኔ ኢልና ስለዝኣመንናሉ ከነተግብሮ ተበጊስና ኣለና ክብል ዳይረክተር በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ (FHI)፡ ካሚላ ስቶልተንቤሪ፡ ምስ ኖርወያዊ ማዕከን VG ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ፡ ገሊጻ።

ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ክሳብ ዕለት 15 ሚያዝያ፡ ካብ ጥቕሚ ደው ኢሉ ክጸንሕ ምዃኑ፡ እታ ዳይሬክተር፡ ብምውሳኽ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com