Tuesday , May 21 2024

ኮረና ቫይረስ

August, 2021

  • 10 August

    ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ባዮንቴክ፡ ኣንጻር ጅር ደልታ ጽቡቕ ውጽኢት ኣርእዩ

    ጀርመናዊ ኩባንያ ባዮንቴክ፡ ንሓድሽ ጅር ደልታ ንምክልኻል፡ ንፍርያቱ ከማዕብል ከምዘየድልዮ ብምጥቃስ፡ ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ብምሃብ ጥራይ ንደልታ ክከላኸል ከምዝኽእል፡ ኣካያዲ እቲ ኩባንያ፡ ኡጉር ሻሂን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ፡ ንዘሎ ክታበት ዝጻወሩ፡ ሓደስቲ ጅር ኮሮና፡ ክራኣዩ ተኽእሎታት ኣሎ ክብል፡ ሻሂን፡ ኣብ ርብዒ ዓመታዊ ጸብጻብ ናይቲ ኩባንያ ጠቒሱ። ከምዝፍለጥ ኩባንያ ፋይዘር-ባዮንቴክ፡ 2.2 ቢልዮን …

  • 10 August

    ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

    ዝሓለፈ ሰሙን፡ 7300 ሰባት፡ ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ከምዝተመዝገቡ እንከለዉ፡ 7 ሽሕ ሰባት ድማ ስራሕ ጀሚሮም ብምባል ሰሙናዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ መጨረሽታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 410 ሽሕ ብምብጽሑ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ካብ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ብዘይፍለ፡ 7.9% ኮይኑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ፡ …

  • 9 August

    Harmony Media News 09/08/2021

  • 9 August

    ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ውሸባ ዘይብሉ ጒዕዞ ይቕጽል

    ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ሰባት፡ ናብ ብሪጣንያ ኣብ ምምላሶም ውሸባ ክኣትዉ ዘየገድድ ጒዕዞ ናብ ፈረንሳ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ካብ ሰዓት 4 ኣትሒዙ ድሕሪ ዝተቐየረ ሕጊ ጒዕዞ ብሪጣንያ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ምቕያር ሕጊ ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ንጒዕዞ ዝሓዝኡ ሰባት ቊጽሮም ብናህሪ ምውሳኹ ብሪታኒ ፌሪስ ኣመልኪቱ። እንተኾነ ግና፡ ወኪላት ጒዕዞ እዚ ምልሕላሕ ሕጊ ውሸባ ደንጒዩ ብምምጽኡ ቅሬታኦም ገሊጾም ኣለዉ። …

  • 9 August

    ስዑዲ ዓረብ፡ ንስድራ ቤት ግዳያት ኮሮና፡ ካሕሳ ክትህብ ወሲና

    ስዑዲ ዓረብ፡ ንስድራቤት ግዳያት ኮሮና ካሕሳ ትህብ ምህላዋ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ክብል ተተ ገሊጹ። ብነዳዲ ዘይቲ ዝበልጸገት ሃገረ ስዑዲ ዓረብ፡ ንነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ግዳያት ኮሮና፡ ክሳብ 500 ሽሕ ርያል ስዑዲ (1.1 ሚልዮን ክሮነር) ካሕሳ ክትህብ ምዃናን እዚ ካሕሳ ካብ መጋቢት 2020 ኣትሒዙ ኣብ ስራሕ እናሃለዉ ብመልከፍቲ እዚ ቫይረስ ንዝሞቱ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ከም ዘጠቓልልን ተገሊጹ። እዞም ግዳያት …

  • 9 August

    ቱኒዝያውያን፡ ብዘይ ቆጸራ፡ ክታበት ንምርካብ ሪጋ ይሕዙ

    ኣብ 300 ነቚጣታት ቱኒዝያ፡ ብዘይ ቆጸራ ዝወሃብ ክትባት ንምርካብ፡ ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድሜኦም ዜጋታት እታ ሃገር፡ ነዊሕ ሪጋ ክገብሩ ይረኣዩ ምህላዎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዕላማ ናይዚ ኣገባብ ክትባት፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ፡ ክሳብ 1 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ንምዕዳል ዝዓለመ እዩ። ቱኒዝያ ካብ ሃገራት ዓረብን ምዕራብን ሽዱሽተ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትረክብ ከምዝኸኣለት ይዝከር። ክንድኡ ዝኸውን ብልቃጥ ክታበት ድማ ናብታ …

  • 9 August

    ኣብ ዉሃን፡ 11 ሚልዮን ሰባት፡ መርመራ ኮቪድ ተጌሩሎም

    ለበዳ ኮሮና ዓሚ ካብ ዝኽሰት ንደሓር ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዙ ኣብ ዉሃን 11 ሚልዮን ሰባት ተመርሚሮም ምህላዎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዕላማ ናይ’ዚ መርመራ፡ ኣብታ ከተማ ክኽሰት ዝኽእል ለበዳ ንምዕጋት ምዃኑ ተፈሊጡ። ትሕቲ 6 ዝዕድሜኦም ቆልዑ ገዲፍካ ዳርጋ መላእ ተቐማጦ እታ ከተማ ተመርሚሮም ኣለዉ። በዚ ድማ ክሳብ ቀዳም ኣብ ዝነበረ ግዜ 37 ዝተለኽፉ ሰባት 41 ከኣ ዝኾነ ምልክታት …

  • 9 August

    ማካ፡ ኣፍደጊኣ ንበጻሕቲ ክትከፍት እያ

    ካብ’ዚ ሰሙን ጀሚሮም፡ ሃገረ ሱዑዲ ዓረብ፡ ነቶም ምሉእ ክታበት ዝወሰዱ ኮይኖም ዑምራ ክገብሩ ዝደልዩ በጻሕቲ፡ ኣፍደጊኣ ክትከፍት ምዃና ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ፡ ንጸብጻብ ማዕከን ዜና SPA ምርኩስ ብምግባር ኣቃሊሑ። ቁጽሪ ናይቶም ናብ ማካን መዲናን ዝበጽሑ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ክሳብ ክልተ ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእልን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምቁጽጻር ድማ ዝግባእ ናይ ምክልኻል ኣገባባት ተዳልዩ ከምዘሎ ተገሊጹ። ዑምራ፡ ዘይከም ሓጅ፡ …

  • 9 August

    ኢራን፡ ሓሙሻይ ማዕበል ኮሮና፡ ኣብ ክንክን ጥዕና ቅልውላው ይፈጥር

    ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ኢራን፡ 542 ሰባት ብሕማም ኮቪድ ምሟቶምን ለበዳ ኮሮና ካብ ዝኽሰት ጀሚሩ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዘጋጠሙ መጠነ ሞት፡ እቲ ዝለዓለ ምዃኑን ተገሊጹ። መጠነ ሞት ን 500 ክሓልፍ ንመጀመርታ ግዜኡ እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣብሪሁ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ኣብ ዝሐለፈ 24 ሰዓታት፡ 39619 ሰባት በዚ ሕማም ምልካፎም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እዚ’ውን ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ …

  • 6 August

    ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ሰባት፡ መስርሕ ክታበት ዝወድኡ፡ ክኾኑ ከምዘለዎም ተሓቢሩ

    ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣሜሪካ፡ ነቶም ካብ ኤውሮፓ ዝመጽዋ በጻሕቲ፡ ኣፈደጊኣ ዓጽያ ምጽናሓ ይፍለጥ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንበጻሕቲ ዝምልከት፡ ቀስ እናበለ ኣብ ግብሪ ዝውዕል መምርሒ ክተኣታቱ ወሲኑ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ኩሎም ዜጋታት ናይ ካልኦት ሃገራት ዝኾኑ፡ ካብ ወጻኢ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ገያሾ፡ ምሉእ ክታበት ዝተኸትቡ ክኾኑ ከምዘለዎም ዝብል መምርሒ ከመሓላልፍ ምዃኑ፡ ንመንግስታውያን ምንጭታት ብምጥቃስ AFP …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com