Tuesday , April 30 2024

ኮረና ቫይረስ

August, 2021

  • 18 August

    Harmony Media News 18/08/2021

  • 18 August

    ዴኒማርክ . . . ዝበዝሑ ልዕሊ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ተኸቲቦም

    ሰለስተ ርብዒ ካብቶም ዕድሚኦም 12 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ዴኒማርካውያን፡ ምሉእ እብረ ክታበት ከምዝወሰዱ፡ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ማግኑስ ሂዩኒከ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሃገረ ዴኒማርክ፡ ነዞም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ብዝምልከት፡ ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ንክታበቶም ምስ ኣፍቀደ፡ ተቐላጢፋ ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ክታበት ከምዝጀመረቶ ይፍለጥ። ኣብ ልዕሊ ናእሽቱ መንእሰያት ዝረአ መጠን መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና፡ ውሑድ’ኳ …

  • 18 August

    ልዕሊ 80%፡ ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ወሲዶም

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 6.5 ሚልዮን ሰባት፡ እንተወሓደ፡ ሓንቲ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም፡ ንመጠን ብዝሒ ዝተኸትቡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ናብ 80.3% ክብ ኣቢልዎ ከምዘሎ ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ኣስታት 4.9 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም እቲ መጠን 60.1% በጺሑ ከምዘሎ ጸብጻባት የረድኡ። ኣብ መላእ ሽወደን፡ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና …

  • 18 August

    መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ወሲኹ

    ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ዝረአ ዘሎ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብተኸታታሊ ንሻውዓይ ሰሙኑ ይቕጽል ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ መጠን ምውሳኽ መልከፍቲ፡ ትሕቲ 20% ምንባሩ ይዝከር ክብል ጸብጻባት ጥዕና ምምሕዳር ስቶክሆሎም ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ካብ ዕለት 10 ክሳብ16 ነሓሰ፡ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ 2177 ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፉ ጸብጻባት ገሊጾም። እቶም 62 ሰባት፡ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝግበረሎም ዘለዉ ኮይኖም 8 …

  • 17 August

    ኣብ ቱርኪ፡ ብሰንኪ ዝናብ፡ 70 ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ከባቢ ጸሊም ባሕሪ፡ ሰሜን ቱርኪ፡ ብሰብኪ ዝናብ፡ ብዙሓት ከተማታት፡ ጽርግያታት፡ ህንጻታትን ድልድላትን ከምዝፈረሱን ብውሑዱ ድማ 70 ሰባት ምሟቶምን 47 ሰባት ድማ ተሳኢኖም ከምዘለው EFE ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከምዝገለጸ፡ ተተ ሓቢሩ። መብዛሕትኦም ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ፡ ካብታ ኣብ መንጎ ኣንካራን ጸሊም ባሕርን እትርከብ ምምሕዳር ካስታሞኑ፡ ከምዝኾኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣስታት 40 ዓድታት፡ ብዘይ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከምዘለዋ፡ ኣብ ገሊአን ድማ ኣገልግሎት ማይ ኣቋሪጹ …

  • 17 August

    ዕለተ ምጅማር ቤት ትምህርቲ፡ ተናዊሑ

    ኣብ ትራኖስ፡ ስሞላንድ፡ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ቤት ትምህርታት፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ካብቲ ንቡር ናይ ምጅማር ዕለቱ፡ ንድሕሪ ክልተ ሳምንታት ከምዝተሰጋገረ፡ ጋዜጣ ትራኖስ ቲድኒንግ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ኣብ መባእታ ደረጃ ዝርከባ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ ዘለዋን ኣብ ማእከላይ ደረጃ ዘለዋ ሻምናይን ታሽዓይን ክፍልታት በዚ ውሳኔ ከምዝጽለዋ እታ ጋዜጣ ሓቢራ። ኣብ መንጎ ናእሽቱ መንእሰያት ዝተራእየ ምልባዕ መልከፍቲ …

  • 16 August

    ቻይና . . . ብ ዓ.ው.ጥ. ዝካየዱ ተወሰኽቲ መርመራታት፡ ኣየድልዩናን እዮም ክትብል ገሊጻ

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ብሰንኪ ሓደ፡ ኣብ ከተማ ዎሃን ዝርከብ ላባራቶሪ ዝሰርሕ ውልቀ ሰብ፡ ካብ መንካዕ ብዝሓለፎ ቫይረስ ድሕሪ ምልካፉ ዝተኸስተ ለበዳ ክኸውን ከምዝኽእል ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሃገረ ቻይና፡ ነቲ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ተወሳኺ መርመራታት፡ ኣድላይነት የብሉን ብምባል ከምዝነጸገቶ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዓ.ው.ጥ.፡ ብዛዕባ ቀዳማይ ተርእዮ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ፡ ዝነበረ ኩነታትን …

  • 16 August

    ፖላንድ፡ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝኾነ ክታበት፡ ንኣውስትራልያ ሰዲዳ

    ሃገረ ኣውስትራልያ፡ ሓደ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ፋይዘር፡ ካብ ሃገረ ፖላንድ ኣውሒሳ ምህላዋ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር-ቢዮንቴክ ዝኾነ ክታበት፡ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ናብ ኣውስታራልያ ምብጽሑ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ስኮት ሞሪሶን፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ዝተጠቕሰ ክታበት፡ ነቶም ኣብ ከባቢ ሲድኒ ዝርከቡ ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ክሳብ 39 ዓመት ዘለዉ ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተ ሰብ ወሃብ ክታበት …

  • 16 August

    ሃገረ ዴኒማርክ፡ ማስክ ምጥቃም ግዴታ ከምዘይኮነ ኣዊጃ

    ህዝባውያን መጓዓዝያታት ዝጥቀሙ ተሳፈርቲ፡ ማስክ ንኽወድዩ ዝግድድ ዝነበረ መምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ዴኒማርክ፡ ከምዝተላዕለ፡ ሃገረ ዴኒማርክ ኣዊጃ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዝበዝሑ ዜጋታት ዴኒማርክ፡ ክታበት ዝወሰዱ ብምዃኖም፡ ቀስ እናበልና፡ ናብቲ ንቡር መዓልታዊ ሂወትና ንምለሰሉ መንገዲ ነምርሕ ኣለና ክብል ሚኒስተር መጓዓዝያ’ታ ሃገር፡ ቤኒ ኢንግልብሬኽት፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ ህዝባውያን መጓዓዝያታት፡ ማስክ ናይ ምውዳይ መምርሒ ንኽወድቅ ተሓሲቡ …

  • 16 August

    ሃገራዊ ማሕበር መምህራን ሽወደን፡ ልዕሊ 12 ዓመት ተማሃሮ ንክኽተቡ ይጽውዕ

    ሃገራዊ ማሕበር መምህራን ሽወደን፡ ኩሎም ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ፡ ጽረ ኮቪድ-19 ክታባት ንክኽተቡ፡ መንግስቲ ሽወደን መምርሒ ንኸመሓላልፍ ጻውዕቱ ኣቕሪቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ቅድሚ ምጅማር ትምህርቲ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መልከፍቲ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ይሕብሩ። ኣብ እዋን ትምህርቲ፡ ንርሕቀትካ ምሕላው ዝብል መምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ምትግባር፡ ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ዘይከኣል ግን ኣይኮነን ክብል ፕረዚደንት …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com