Tuesday , April 30 2024

ኮረና ቫይረስ

August, 2021

  • 24 August

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ናብ ኣፍጋኒስታን መድሃኒት ንምብጻሕ፡ ሓገዝ ይሓትት

    ኣብ ዱባይ ተዳልዩ ዘሎ 500 ቶን ዝበጽሕ ናይ ህጹጽ እዋን ሕክምናዊ ረዲኤት፡ ናብ ኣፍጋኒስታን ንክበጽሕ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ሓገዝ ይሓትት ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሓገዝ፡ ብኣገባብ ተዳልዩን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ኣፍጋኒስታትን ንኽበጽሕ መደብ ተገይርሉ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ኤርፖርት ካቡል ንሲቪላዊ ትራፊክ ዕጹው ብምዃኑ ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ወሃቢት ቃል፡ ኢናስ ሃማም፡ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢራ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እተን …

  • 24 August

    ኣውስትራልያ: ልዑል መጠን ለበዳ ኣመዝጊባ 

    ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት: 914 ሓደስቲ ብኮቪድ ዝተለኽፋ ሰባት ብምርካብ: ኣውስትራልያ: ሓድሽ ክብረወሰን ምምዝጋባ ተገሊጹ። እዚ ማለት: ኣብታ ሃገር 12 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት በቲ ሕማም ተታሒዞም ምህላዎም ዘመልክት እዩ ተባሂሉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ:: ክሳብ 70% ካብ ህዝቢ ኣውስትራልያ ክታበቱ ዝውድእ፡ ተነቢሮም ዘለዉ መምርሒታት ምቊጽጻር ለበዳ፡ ክቕጽሉ ምዃኖም፡ ስኮት ሞሪሰን፡ ገሊጹ። ዛጊት፡ 30% ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሜኦም ዜጋታት፡ ክታበት …

  • 24 August

    ኣብ ሆስፒታላት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ከምዝወሰኸ፡ ተገሊጹ

    ኣብ ቦሮስ (Borås) እትርከብ ሆስፒታል ሶድራ ኤልቭስቦሪ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብምውሳኹ፡ ናብ ናይ ሰራሕተኛታት ኣገባብ (Staff mode) ከም ዝተሰጋገረን ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ሆስፒታል ድማ  ልዑል ጸቕጢ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ቦሮስ ቲድኒን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ንሕሙማት ኮቪድ ተባሂሉ ዝተሓዝአ ቦታታት፡ መሊኡ ኣሎ፡ ሓደስቲ ሕሙማት እንተመጺኦምና፡ ኣበይ ከም ነአንግዶም ክንሓስበሉ ክንዳለወሉን ይግባኣና። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ እዚ ልዑል …

  • 23 August

    Harmony Media News 23/08/2021

  • 23 August

    ጀሲ ጃክሰን: ብሕማም ኮቪድ ተታሒዙ

    79 ዝዕድሜኡ ኣመሪካዊ ፓስተር: ተጣባቒ ሲቪላዊ መሰላትን ፖለቲከኛን ጀሲ ጃክሰን ከምኡ’ውን 77 ዝዕድሜኣ በዓልቲ ቤቱ ጃክሊን ብኮሮና ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎም: ሬንቦ ኮኣሊሽን: ዝተሰምየ ባዕሉ ዝመስረቶ ትካል ሲቪላዊ መሰላት ኣፍሊጡ።   ጀሲ ጃክሰን ምስ ፍሉጥ ተጣባቃይ ሲቪላዊ መሰላት: ማርቲን ሉተር ኪንግ: ብምዃን ኣብ 1960ታት ኣንጻር ጸለምቲ ዝግበር ዝነበረ ኣድልዎ ዝተቓለሰ ኣመሪካዊ እዩ።   ጀሲ: ኣብ ዓመታት 1984-88 ን ፕረዚደንትነት …

  • 23 August

    ኣማኢት ብልቃጥ ክታበት፡ ብሰንኪ ሽርሒ፡ ዓንዮም

    ኣብ ኣደራሽ ክታበት ኣማል (Åmål)፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ናይ ኤሌክትሪክ ምቁራጽ፡ 800 ብልቃጥ ክታበት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኖም ተባሂሎም ከም ዝዓነዉ ንጸብጻባት P4 Väst ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ዘጋጠመ ምቁራጽ ናይ ኤሌክትሪክ፡ ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ፡ ናብ መቆጻጸሪ ክፍሊ ኣትዩ ነቲ መወልዒ ከምዘጥፈኦ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።  ክሳብ ሕጂ፡ መን ከምዝፈጸሞን ወይ ድማ ስለምንታይ ኤሌክትሪክ ከም ዘቋርጽ ተገይሩን ንዝብሉ ሕቶታት፡ መልሲ …

  • 20 August

    Harmony Media News 20/08/2021

  • 20 August

    መንገድታት ኣየር: ሰራሕተኛታተን ምሉእ ክታበት ክኽተቡ ይጠልባ

    . መንገድታት ኣየር ኣውስትራልያ: Quantas: ከምኡውን Cathy Pacific: ሰራሕተኛታተን ክቱባት ንክኾኑ ጠለብ ከም ዘቕረባን ነዚ ስዒቡ ድማ መንገድታት ኣየር ሲንጋፖርን ማሌዥያን: ሰራሕተኛታተን ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ንክኾኑ ጠሊበን ምህላወን ተሓቢሩ። ኣብ ሽወደን: ሰራሕተኛታት ንክኽተቡ ዝግደዱ ኣይኮኑን:: እንተኾነ ግና ገለ ሃገራት ኣብታ እትመጸን ነፋሪት ዘለዉ ሰራሕተኛታት: ዝተኸትቡ ክኾኑ ከም ዝሓታ ብምምልካት: መንገዲ ኣየር ሳስ: ነዚ ቅድመ ኩነት ንምፍታሕ: ነቶም ዝተኸትቡ ጥራይ ናብቶም …

  • 19 August

    ኣሜሪካ . . . ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ልዕሊ 1 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ ከም ዝሞቱ ገሊጻ

    ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ፡ ብሕማም ኮቪድ ናይ ልዕሊ 1 ሽሕ ሰባት ህይወት ምሕላፉ ጸብጻብ መዓልታዊ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ሰዓት፡ ብገምጋም 42 ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ ናይዚ ጠንቂ ድማ ደልታ ዝተባህለ ጅር እቲ ቫይረስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ካብ ወርሒ ሰነ ንደሓር፡ ቊጽሪ ተለከፍቲ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ እቲ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። ኣብ …

  • 19 August

    ሊቀ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ክታበት መግለጺ ፍቕሪ እዩ ክብል ገሊጽዎ

    ለበዳ ኮሮና ንምቊጽጻር ዘኽእል ክታበት ምርካቡ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ንፈጣሪን ካልኦት ነዚ ክዉን ዝገበሩ ኩባንያታትን ውልቀ ሰባትን ኣመስጊኖም ክብል ማዕከን ተተ ጊሊጹ። በዚ ድማ ወዲሰብ ነዚ ለበዳ ከጥፍኦ ተስፋ ከም ዝረኸበ እዞም መራሒ ሃይማኖት ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ዝኸውን ግና ናብ ኲሉ ሰብ ክባጻሕ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ ክብሉ ኣመልኪቶም። ክትባት ብዛዕባ ጥዕናን ድሕነትን ካልኦት ከም እንግደስ እነርእየሉ ሓደ መሰረታውን ቀሊልን ኣገባብ እዩ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com