Friday , April 26 2024
Böcker på Bredängs bibliotek som riktar sig till elever på högstadiet/gymnasiet Foto: Tomas Oneborg / SvD / TT / Kod: 30142 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) **

ዕለተ ምጅማር ቤት ትምህርቲ፡ ተናዊሑ

ኣብ ትራኖስ፡ ስሞላንድ፡ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ቤት ትምህርታት፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ካብቲ ንቡር ናይ ምጅማር ዕለቱ፡ ንድሕሪ ክልተ ሳምንታት ከምዝተሰጋገረ፡ ጋዜጣ ትራኖስ ቲድኒንግ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ኣብ መባእታ ደረጃ ዝርከባ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ ዘለዋን ኣብ ማእከላይ ደረጃ ዘለዋ ሻምናይን ታሽዓይን ክፍልታት በዚ ውሳኔ ከምዝጽለዋ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ኣብ መንጎ ናእሽቱ መንእሰያት ዝተራእየ ምልባዕ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ውሳኔ ምዃኑ ይፍለጥ።

እዞም ናእሽቱ መንእሰያት፡ ግዳያት መልከፍቲ ዝኾኑሉ ምኽንያት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ካምፒን ከምኡ ውን ፈንጠዝያታት ክኸውን ከም ዝኽእል ክትብል ኣብ ትራኖስ እትርከብ ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ዝኾነት ስሲልያ ኣክሰልሶን ገሊጻ።

እተን ዝተጠቕሳ ክፍልታት፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ትምህርተን ክጅምራ’ኳ ዝግባእ እንተነበረ፡ ካብ ዕለት 23 ነሓሰ ክጅምራ ከምዘለውን ተገሊጹ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com