Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

10 ኣባላት ናይ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም ።

እቲ ብዝሒ ክውስኽ ከምዝኽእል ይእመት ኣብ ቤት ትምህርቲ Kageskolan ክሳብ ሕጂ 10 ኣባላት ብቫይረስ ኮሮና ከምእተለኽፉ ምምሕዳር ሽሊፍትዩ ሓቢሩ ክትብል ሬድዩ P4 Vasterbotten ሎሚ ኣቃሊሓ። ን60 ሰራሕተኛታት እታ ቤት ትምህርቲ መርመራ ናይ ኮቪድ-19 ተኻይዱ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ናይ 25 ሰባት ውጽኢት መጺኡ ኣሎ። ካብቲ ዝመጸ ውጽኢት እቶም 10 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝተለኽፉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ንድሕነት ዝተረፉ ሰራሕተኛታትን ተማሃሮን ብዝምልከት …

Read More »

ኣብ ግዜ ለበዳ ተቐባልነት ሶሾል ደሞክራትስ ክብ ይብል።

ብመሰረት ግምገማ ኖቩስ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሶሻልደሞክራት ተቐባልነቱ ክብ ከምዝበለ ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን ተቐባልነት ሰልፊ ሶሻልደሞክራት ብልዕሊ 30 ሚእታዊት ደገፍ ከምዝረኸበን፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝነበሮ ብኣስታት 7 ሚእታዊት ከምዝወስኸ እዩ እዚ ጸብጻብ ዝሕብር።ይኹንምበር እቲ መላፈንቱ ዝኾነ ስለፊ ሓምላይ ደገፉ ካብቲ 4 ሚእታዊት ንታሕቲ ከምዝወረድ ሓቢሩ፡ በዚ መሰረት ክላወ እዚ ሰልፊ …

Read More »

ቍጽሪ ተሳፈርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኽልተ-ሲሶ ጎዲሉ።

እቲ SL እተባህለ ናይ ስቶክሆልም ኩባንያ መጎዓዝያ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ብዝሒ ተሳፈርቱብኽልተ-ሲሶ ከም ዝጎደለ ገሊጹ። ኩባንያ SL ነቶም ብኣውቶቡስ ምጕዓዝ ዘቋረጹዎ ተሳፈርቲ ብምምስጋን ክቕጽሉ ይላቦ።“ንሕና ካብ ጽቕጥቅጥ ንምድሓን ናይ ህዝባዊ ክንክን ጥዕና መምርሒታት ከነተግብር ይኸብደናእዩ፡ ስለዚ እቲ ተሳፋሪ ባዕሉ ነቲ ምዝርጋሕ ለበዳ ንምግታእ ዚወስዶ ዘሎ ናይ ባህርይ ለውጢነመስግኖ” ይብል ፍሪድሪሽ ቦርክማን፡ ናይቲ ኩባንያ ሓላፊ።እታ ኩባንያ በቲ መጎዓዝያታት ብምጕዳል ዝሰዓበ ናይ …

Read More »

መራሒ ሰልፊ ስቨርያ ዲሞክራትና፡ ቀዳምነት ንሽወደናውያን ይብል።

ሽወደን ብእትኽተሎ ፖሊሲታት ኣጉሊሑ ብምርኣይ፡ ብሩህ መጻኢ ሕብረተሰብና ንምውሓስ ፖሊሰታት መንግስቲ ንሽወደናውያን ኣብ ቅድሚት ዝሰርዕ ክኸውን ከምዝግባእ መራሒ ሰልፊ ስቨርያ ዲሞክራትና፡ ጂሚ ኦኪሶን ሓቢሩ። ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ፡ ንነብስና ባዕልና ደኣ እምበር ዝኾነ ግዳማዊ ሓገዝ ከምዘይንረክብ ኣርእዩና እዩ። ስለዝኾነ ድማ ንዓለም ምድሓን ዝብል ኣተሓሳስባ ሽወደን ክተርፍ ይግባእ ክብል ገሊጹ። ኦኪሶን ምስ ካልኣዩ ኣባል ሰልፊ SD ዝኾነ ሰብ ኣብ ሓደ ካብ ዓምድታት …

Read More »

ካብ ተቐማጦ ስቶክሆልም ርብዖም ብኮሮና ተለኺፎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

26% ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ስቶክሆልም ክሳብ ባሕቲ ግንቦት ብለበዳ ኮሮና ክልከፍ ከም ዝኽእል ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ለበዳ ኮሮና ብዙሓት ሰባት ይለክፍ ምህላዉን ዛጊት ኣብ መላእ ዓለም 2.6 ሚልዮን ከም ምልካፎምን 183 ሽሕ ምሟቶምን ይፍለጥ። ሽወደን እውን ካብዚ ለበዳ ከም ዘየምለጠትን ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት 751 ሓደስቲ ግዳያት ከም እተረኽቡን ናይ ትማሊ 84 ሓዊስካ ልዕሊ ክልተ ሽሕ …

Read More »

ሽወደን ስለምንታይ እያ ንኮሮና ዚምልከት ህጹጽ ግዜ ክትእውጅ ዘይትኽእል?

ብመሰረት ህልው ኣብ ሽወደን ሰፊሩ ዘሎ ሕጊ፡ ንህጹጽ እዋን ዘገልግል ሕጊ ብዘይመስፋሩን ብዘምህላውን ምሉእ ህጹጽ ግዜ ክትእውጅ ኣይትኽእልን፡ ይብል ክኢላ ቅዋማዊ ሕጊ ቶርሞድ ኦተር ጆንሰን ካብ ዩኒቨርስቲ ዮተበሪ። ስለዚ ይብል ጆንሰን  ሽወደን ከም በዓል ብሪጣንያን ፈረንሳን ስፓኛን ካልኦት ሃገራት ህዝባዊ ዕጽዋ ክትእውጅ ኣይትኽእልን። በዚ ህልው ኩነታት ግን  ከምዚ ዝበለ ንኮሮና ዚምልከት ሕጊ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ንምትእትታው ተኽእሎ ከም ዘሎ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ሄልሲንግቦርግ ዝተራእየ ምጥሓስ ዕሸጋ መካይን ዘይሙኽንይ እዩ ይብል።

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ሄልሲንግቦርግ ዝጸንሐ ምጥሓስ ዕሸጋ መካይን ወይ ፓርከሪንግ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብዚ እዋን ክሳብ 335 ሽሕ ዝበጽሕ ሕጊ ዝጥሕስ ተግባራት ምፍጻሙ ድማ ጸብጺቡ። ብሰንኪ እዚ ምጥሓስ ሕጊ ሰብ መኻይን ኣስታት 185 ሚልዮን ክሮና ከምዝተቐጽዑ ዘመልከተ እዚ ሕጊ፣ ሰብ መካይን ብዛዕባዚ ክኸሓሱስ ይትረፍ፡ክሕበሩ እውን ከም ዘይተገብረ ኣመልኪቱ። እዚ ምምሕዳራዊ ሕጊታት ዘፍርስ ምዃኑ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ ሃልሲንግቦሪ ካብ …

Read More »

ሎቨን፣ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝበዓል ቫልቮርይ ሰባት ጥንቃቐ ክገብሩ ይመክር።

ምስ እዚ ዘሎ ጽቡቅ ክሊማ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ዜጋታት ብዛዕባ ለበዳ ኮሮና ጥንቃቐኦም ክቕጽሉ ኣተሓሳሲቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፈን ሉፊን ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስ ምውዓይ ክሊማ ዜጋታት ኣብ ጒዳይ ለበዳ ኮሮና ክገብርዎ ዝጸንሑ ጥንቃቐታት ክቕጽሉሉ ኣተሓሳሲቡ። ንሱ በዓል ቫልቮርይ ምኽንያት ብምግባር ተመሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲን ከተማታትን ዝገብርዎ ያታዊ ምትእኽኻብ ኣመልኪቱ እዩ ነዚ መጠንቀቕታ ዘመሓላለፈ። ዛጊት ሽወደን ምንም ናይ ኣብ ቤትካ …

Read More »

ፕረሲደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ በዓል ንምሕላፍ ምብልሓት ከም ዘድሊ ሓቢራ።

ሕማም ኮሮና ኣብ ኣውሮጳ ይላብዓሉ ኣብ ዘሎ እዋን ሰባት ብምኽንያት በዓል ብኸመይ ክጓዓዙ ከም ዝኽእሉ ዛጊት ንጹር ኣንፈት የሎን። ዝሓለፈ ሰሙን ፕረሲደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫንደር ሊን ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ናይ ጒዕዞ ውጥንን ምሕዛእን ከየካይዱ ኣጠንቂቓ ኔራ። ምስ ፖርቱጋላዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ከኣ ብዛዕባዚ ገለ ተወሳኺ መብርሂ ሂባ’ላ። ንሳ ሰባት ን ማሕበራዊ ምፍንታትን ጽሬትን ኣብ ግምት ዘእቱ በዓል …

Read More »

ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲ ዝያዳ ዝሓለፋ 11 ዓመታት ምጒዳሉ ተገሊጹ።

ብረቡዕ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሽወደን ንዓሰርተ ሓደ ዕመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዋጋ ምጒዳል ምርእዩ ተገሊጹ።ብ መሰረት ኣብ መዔደሊ ነዳዲ Circle K ከምኡ’ውን OKQ8 ዝነበረ ዋጋታት ኦክቴን ጋዞሊን ካብ 13.38 ናብ 12.28 ክሮና/ሊትሮ ኣጒዲሎሞ ዘለዉ። ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዋጋ ነዳዲ ካብ 2009 ንደሓር ክንድዚ ዝኣክል ምጒዳል ኣርእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ከምዚ ፈለጥ ብ ደርጃ ዓለም ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዋጋታት ነዳዲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com