Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ዝበዝሑ ሽማግለታት ስቶክሆልም ካብ ሕማም ኮሮና ምሕዋዮም ተሌቪዥን ሽወደን ገሊጻ።

ተለቪዥን ሽወደን፡ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝኾኑ ኣረጋውያን ምምሕያሽ የርእዩ ከምዘልዎ ትገልጽ። ኣብ መብዛሕትአን እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝኾኑ ኣረጋውያን ኩነታቶም ምምሕያሽ የርኢ ከምዘሎ ካብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ዝተረኽቡ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ሆስፒታል ብሮማ (Bromma)፡ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ብቫይረስ ኮሮና ንዝተለኽፉ ኣረጋውያን ዝኣንገዳ ሆስፒታላት፡ ካብ ዝርከቡ ሕሙማት ብገምጋም ካብ 10 ኣረጋውያን እቶም 7 ከምዝሓወዩ እቲ ጸብጻብ ንተለቪዥን …

Read More »

16 ስደተኛታት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ይገብሩ።

ካብ ሽወደን ንሃገሮም ንኽባረሩ ዝተወሰነሎም ኣብ ፍሌን (Flen) ዝተባህለ ቦታ ዝርከቡ 16 ስደተኛታት ሎሚ ናይ መግቢ ምሕራም ተቛውሞ ከምዝጀምር ተፈሊጡ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ኣብ ግዜ ለበዳ ቫይረስ ምውሳድ በቲ ቫይረስ ከይጥቅዑ ስግኣታት ዝፈጥር ምዃኑን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ማሽታ፡ ስቶክሆልም፡ ንኽባረር ዝጽበ ዝነበረ ሓደ ስደተኛ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሂወቱ ከምዝሰኣነን ዝዝከር እዩ። ኣብ ግዜያት በዓል ፋሲካ ኣብ ሎንግብሂድ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ …

Read More »

ኣብ እዋን ኮሮና ግዳያት ወቕዒ ልቢ ብምውሓዶም ንሓካይም ምስጢር ይኾኖም።

ኣብ ከባቢታት ሊክሲላ፡ ኦምዮን ሸልቭትዩ ዝርከባ መደበር ጥዕናታት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና እቲ ዝወሓደ ቁጽሪ ናይ ልቢ ጸገማት ዘለዎም ሕሙማት ከምዘአንገዳ መዝገባተን ይሕብሩ። ናብ ኣሃዱ ህጹጽ ሬድኤት ሆስፒታል ሊክሲላ ዝመጹ ብዝሒ ግዳያት ወቕዒ ልቢ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኮሮና፡ ፍርቂ ቁጽሪ ናይቶም ቅድሚ ሕጂ ዝመጹና ዝነበሩ ሕሙማት ምዃኑ ሓላፊ ስርሒታት’ቲ ሆስፒታል ዝኾነ ሓኪም፡ ፒተር ሶረን፡ ንሬድዮ P4 Vasterbotten ሓቢሩ። ምኽንያት ዋሕዲ …

Read More »

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ባና ትስፉው መዓልታት ይረኣዮ ምህላዉ ተገሊጹ።

በዓልመዚ ሕዝባዊ ጥዕና ብመስረት ኣብዚ እዋን ዝርኤ ዘሎ ዝርግሔ ለበዳን ብዝሒ ሞት ግዳያት ኮቪድ-19 ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምንቁልቛሉ ገሊጹ። ነዚ ኣመልኪቱ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ለበዳታት ኣንደርስ ቴግኔል ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ህልዎ ኩነታት ሽወደን ኣብ ምቁጽጻር ለበዳ ኮቪድ- 19 ትስፉው ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ሽወደን ለበዳ ኮሮና ኣዝዩ ምንካዩን ቊጽሪ ሓደስቲ ተለበድቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጸቢቑ ምጒዳሉን ድማ ገሊጹ። …

Read More »

ሞራል መንግስቲን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ሰማይ ይዓርግ።

ብመሰረት ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሞራል መንግስቲን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ሰማይ ከም ዝዓረገ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ጠቒሳ። ኣብ ወርሓ መጋቢት ዝነበረ 51 % ርእሰ ተኣማንነት ሕጂ ናብ 71% ክብ ኢሉ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። መንግስቲ ብወገኑ ሞራሉ ካብ 32% ሚእታዊት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ 53 % ክብ ምባሉ ድማ ተጠቒሱ። በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ክኽተሎ ብዝጸንሐ መስመር ብፍላይ ድማ ብጒጅለ መጽናዕቲታቱ ክውቀስ እዩ ወሪሑ። …

Read More »

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ለበዳታት ቲግኔል ብሸለልትነት ሰባት ምጒሃዩ ገሊጹ።፡

ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዘሎ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ሰባት ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ከም ዘጒሃዮ ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ቲግኔል ገሊጹ። ካብ ቲልያ ክሮው ዝተረኽቡ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብምውድዳር ኣብዚ ግዜ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ካብ ቤት ወጻኢ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ክብል SVD ጽሒፉ። ኣብዚ ሰሙን ውዕይ ዝበለ ኲነታት ኣየር ክሰፍን እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉን …

Read More »

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሽወደን ስጋብ 22 ዲግሪ ዝበጽሕ ሙቐት ከምዝህሉን ነበርቲ ከስተማቕሮዎ ይሕበሩ።

ብመስረት ሓበሬታ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሽወደን ዝልዓለ ዓቐን ዘለዎ ሙቐት ክህሉ ትጽቢት ይግበር። በዚ ሓበሬታ መሰረት ጸሓይ ዝዓብለሎን ብሓይል ሙቐት ዝተሰነየ ኩነታት ኣየር ኣብ መላእ ሽወደን ከምዝክሰትን፣ እቲ ዝልዓለ ስጋብ 22 ዲግሪ ዝተሓተ ድማ 10 ዲግሪ ዝዓቐኑ ሙቐት ከምዝህሉ ኪኢላ እዚ ዓውዲ ዮሃና ሪነ ን መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት ሓቢራ። ንሳ ዛሕሊ ዘለዎ ኩነታት ሙሉእ …

Read More »

ንምእጋድ እስላማዊ ሕጃብ ዝተቛወመ ሓለቓ መማህራን ብውለንትንኡ ካብ ስርሑ ተሰናቢቱ።

ሓለቓ መማህራን ናይታ ንምእጋድ እስላማዊ ሕጃብ ዝተቓወመት፡ ኣብ ደቡብ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ስኩሩፕ (Skurup) እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ወለንታዊ ስንብታ ካብ መዝነቱ ዝሕብር ወረቕት ሎሚ ኣቕሪቡ። ሓለቓ መማህራን፡ ማትያስ ሌድሆልም፡ “ሓደገኛ ዝኾነ ጉድለት ኣመራርሓ” ንዝቐረበ ክሲ ንምጽራይ ቀሪቡ ከምዝነበረ እታ ምምሕዳር ከባቢ ኣብ ቅንያት በዓል ሓቢራ ነይራ። ይኹን እምበር ሊድሆልም፡ ነቲ ብመንገዲ ምምሕዳር ከባቢ ዝቐረበ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጃብ ናይ ምእጋድ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ንግዚያዊ እገዳ መገሻ ን ተወሳኺ 30 መዓልታት የናውሖ።

መንግስቲ ንሽወደን ነቲ ካብ ኤዉሮጳ ወጻኢ ናብ ሽወደን ንምእታዉ ዝጸንሐ ግዚያዊ እገዳ ብምንዋሕ ን30 ተወሳኺ ማዓልታት ክጸንሕ ከምዝወሰነ፣ መራሒ መንግስቲ ስቴፋን ሎቨን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ ኣብቲ ሽወደን ንምስፍሕፋሕ ኮቪድ 19 ንምክልኻል መንግስቲ ካብ ዝወሰዶም፣ ብዙሓት ግዚያዊ ድንጋገታትን እገዳን ካብ ኤዉሮጳ ወጻኢ ካብን ናብን ሽወደን ዝግበሩ መገሻታት ምንባሩ ብምዝካር፣ ህዝቢ ኣብ ምኽባር ትእዛዛትን ምኽርን ከምቲ ልሙድ ክታሓባበር ሓቲቱ። መራሕ …

Read More »

ኣብ ስኮና ዝርከባ ህዝባዊ ኣውቶቡሳት ቀዳማይ ማዕጾ ብምዕጻው ኣብ ስራሕ ይዋፈራ።

ኣብ ስኮና ዝርከብ ኩባንያ ህዝባዊ መጓዓዝያ (Skaneterafiken) ንድሕነት መራሕቲ ኣውቶቡሳቱ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ንቀዳማይ ማዕጾ ናይተን ኣውቶቡሳት ከምዝዓጸወ ሓቢሩ። ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ምዕጻው ውሳነ ሎሚ ንቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢርና ክትብል እታ ኩባንያ ንማዕከን ዜና ሽወደን TT ከምዝሓበረት ተፈሊጡ። መራሕቲ ኣውቶቡሳት ንተሳፈርቲ ብቀዳማይ ማዕጾ ንኸይኣትዉ ክኽልክሉ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ። እዚ ተግባር ኣብ ህዝባዊ መጎዓዓዝያ ስቶክሆልም ዝስራሓሉ ዘሎ ኮይኑ ድሕነት መራሕቲ ኣውቶቡሳት ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com