Sunday , May 12 2024

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ለበዳታት ቲግኔል ብሸለልትነት ሰባት ምጒሃዩ ገሊጹ።፡

ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዘሎ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ሰባት ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ከም ዘጒሃዮ ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ቲግኔል ገሊጹ። ካብ ቲልያ ክሮው ዝተረኽቡ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብምውድዳር ኣብዚ ግዜ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ካብ ቤት ወጻኢ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ክብል SVD ጽሒፉ። ኣብዚ ሰሙን ውዕይ ዝበለ ኲነታት ኣየር ክሰፍን እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉን በዚ ድማ ብዙሓት ነዚ ኣብ ቤት ምጽናሕ ዝብል ቀይዲ ክበትክዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሻቕላ ምህላዉን ድማ ተመልኪቱ።

ዋና ተጸዋዒ ተላባዕቲ ሕማማት ኣንደርስ ቲግኔል ንSVT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዋላኳ ነገራት ዝተረጋግአ ይምሰል ጥንቃቐ ምግባር መሰታ ከም ዘይብሉ ብምምልካት ሰባት ጸሓይ ትውጻእ ኣይትውጻእ ብዘየገድስ ነዚ መምርሒ ክቕጽልዎ ተማሕጺኑ።፡ “ገለ ሰባት እዚ ሽግር ዝተወድአ ይመስሎም ምህላዉ ዘሕዝን እዩ። እዚ ሽግር ገና ኣሎ” ክብል ምስ ቲቪ 4 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com