Tuesday , May 14 2024
KÖPENHAMN 20190919 Vy över takåsarna i centrala Köpenhamn med Rigshospitalet ( Riget ) ovan till höger fotograferad från SAS Royal Hotel i centrala Köpenhamn. Foto Johan Nilsson / TT kod 50090

ሃገረ ዴንማርክ፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ብምሃብ፡ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ

ሃገራት ዓለምና፡ ዜጋታተን ጸረ ኮሮና ክታባት ንምሃብ ኣብ ዝሸባሸባሉ ዘለዋ እዋን፡ ሃገረ ዴንማርክ፡ ብመጠን ብዝሒ ክትባት ዝወሰዱ ዜጋታት፡ ምስ ሃገራት ኖርዲክን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ክትወዳደር እንከላ፡ ኣብ ቐዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ምህላዋ ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ሃገረ ዴንማርክ፡ ካብ ፈለማኡ ንጹር ዝኾነ ውጥን ክትባት ስለ ዝጸንሓ እዩ ክብል ን ፕሮፌሰር ጀንስ ሎንግረን ካብ ሃገራዊ ሆስፒታል ኮፐንሃገን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ’ሎ።

መጠን ብዝሒ ክትባት ሃገራት ኖርዲክ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ ዝበለ እቲ ጸብጻብ ዛጊት

  • ሽወደን ናይ 144 ሽሕ ዶዛት ወይ ድማ ንሚእቲ ሰባት ናይ 1.4 ዶዝ
  • ፊንላንድ ናይ 1.12 ዶዝ
  • ኖርዌይ ናይ 1.05 ዶዝ
  • ኣይስላንድ ኸኣ ናይ 1.75 ዶዝ  ክኸውን እንከለዋ
  • ዴንማርክ  ግን ናይ 3.14 ዶዝ ብምዃን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ

እዚ ዴንማርክ ተጓናጺፋቶ ዘላ ዓወት፡ ብንጹር ውጥንን መን እዚ ክትባት ክረክብ ይግብኦን ኣብ ዝብል ሃገራዊ መዝገብ ክትባት እታ ሃገር ጽፍፍ ዝበለ ስራሕ ስለ ዝዓመመት እዩ ክብል ሉንድርን ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com