Tuesday , May 14 2024

ሓንቲ ዓለም፣ክዉንነትን ጽላሎቱን (Reality and its shadow)

ኣማኑኤል ሳህለ

ወድሰብ መጀመርያ ኣብዚ ዓለም ምስ ተቐልቀለ፡ ሃዳናይን ኣካባይ ቋርፍን እዩ ነይሩ (hunter gatherer)። ኣብ ምህዳን፡ ሰለስተ ነገራት እዮም ዚዋስኡ፤ እቲ ሃዳናይ፡ እቲ ዝህደን፡ እቲ ንምህዳን ዘገልግል መሳርያ።

ሃዳናይ ኲናቱ ሒዙ ናብ መሮር ይጓዓዝ። ኣብኡ ድማ ርሕቕ ኢሉ ሳዕሩ ዚግህጽ ዓጋዜን ይርኢ። ኲናቱ ይውርውረሉ። ኵናት ኣብ ከብዲ ዓጋዜን ይኣቱ። ዓጋዜን ይመውት። ሃዳናይ ድማ ድራሩ ተሰኪሙ ንበዓቱ ይኣቱ። ንሱን ደቁን ሰበይቱን ድማ ተደሪሮም ይሓድሩ።

ካልእ ሃዳናይ ድማ ይመጽእ፡ ምስ ኲናቱ። ንሱውን ዓጋዜን ይረክብ። ኲናት ይውርውረሉ። ይስሕቶ። ዓጋዜን የምልጥ። ሎሚ ምሸት ኣብ እንዳ እቲ ካልኣይ ሃዳናይ ድራር የልቦን።

እቲ ቀዳማይ ሃዳናይ ኪሓስብ ይጅምር፡ ኲናቱ ዝያዳ ምስ ዚበልሕ ዝያዳ ከም ዚቐትልን ዝያዳ ከም ዚበልዕን ይግምት። ከመይ ገይረ እየ ነቲ ዝሃደንኩዎ ስጋ  ከይተባሸወ ንነዊሕ ግዜ ከም ዚጸንሕ ክገብሮ ዝኽእል ብምባል ድማ ኪፈላሰፍ ይጅምር……..።

እቲ ካልኣይ ሃዳናይውን ኪሓስብ ይጅምር። ግን እቲ ኣተሓሳስባኡ ኣብ ጭቡጥ ነገር ዘይኮነስ፡ ኣብ ስምዒታውን ማሪታውን ኣምራት እተመርኮሰ እዩ። መን እዩ ነቲ ዓጋዜን ከም ዚስሕቶ ገይሩዎ? መን እዩ ብጻዩ ኪበልዕ ንሱ ድማ ኪጠሚ ወሲኑ? እቶም ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ዝኾኑን፡ ኣብ ኩሉ ነገራት ስልጣን  ዘለዎም መናፍስቲ ድዮም? እሞ ነቲ ኣካይዳኦም ወይ ንውሳኔታቶም ንምልዋጥ እንታይ ክገብር ይግበኣኒ ወዘተ….እናበለ ድማ የስተንትን?

ኣብዚ ዓለምና ክልተ ዓይነት መሰረታዊ ኣተሓሳስባ ኣሎ፡ ክልተ ዓይነት ተኸተልቲ ድማ ኣለዉዎ፤

1. እቶም 2+2=4 እዩ ዚብሉን

2. እቶም 2+2=5 ወይ ድማ 3 ኪኸውን ይኽእል እዩ ዚብሉን

እቶም 2+2=4 ዚብሉ

እዚኣቶም ኣብዛ ዓለም ነቲ ህሉውን ጭቡጥን ኩነታት ከም ውሁብ ነገር ወሲዶም፡ ኣብኡ ብምምርኳስን ኣእምሮኦምን ስነመጎታዊ ሓይሎምን ብምጥቃም ንኹነታት ኪብድሁን ፍታሕ ኪረኽቡሉን ዚፍትኑ እዮም። እዚኣቶም፡ ጸገማትን ብድሆታትን ብስምዒትን ብማሪታዊ መገድን ኪፍትሑ ከም ዘይክእሉ እዮም ዚኣምኑ። 2+2 ካብ ኣርባዕተ ሓሊፉ ካልእ ውጽኢት ኪህሉዎ ከም ዘይክእል ይፈልጡ። ምናልባት 5 ዚብል ውጽኢት ምስ ዚረኽቡ ድማ፡ ተጋግዮም ከይኮኑ ደጋጊሞም ይቕምሩን ይትንትኑን። ብዘይ እንፈልጦ ተኣምር 5 ኾይኑ ኣሎሞ፡ ትም ኢልና ንቀበሎ ኣይብሉን፡ ከመይሲ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብቲ ዘካይዱዎ እተፈላለየ ስራሓት ከምኡውን መደባት ጸገም የኸትለሎም ምዃኑ ስለ ዚፈልጡ።

እቶም 2+2=5 ወይ 3 ኪኸውን ይኽእል እዩ ዚብሉ

እዚኣቶም ከምቶም ቀዳሞት ነቲ ህሉውን ጭቡጥን ኩነታት ከም ውሁብ ዚወስዱዎ እኳ እንተ ኾኑ፡ ኣብ ኣእምሮኦምን ኣብ ስነመጎታዊ ሓይሎምን ግን ኣይምርኰሱን እዮም። ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ናይቲ ክዉንነት ጽላሎት እዮም ዚምርኮሱን እምነቶም ዘንብሩን። ክልተን ክልተን ከም ጭቡጥን ውሁብን ነገር ይወስዱዎሞ፡ ድምሩ ግን ሓሙሽተ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይማጎቱ። ይኹንምበር፡ እቲ መጎቶኦም ንኽትርድኦ ቀሊል እዩ። ብእምነት (ወይ ናይ ጥንቲ ናይ ኣቦታቶም ባህሊ ብምዃኑ) ተቐበሎ ኢዮም ዚብሉኻ ዘለዉ። ንኽልተን ኽልተን ሓሙሽተ ዚገብር ሓይሊ ወይ ሱር ዝሰደደ ናይቲ ማሕበረሰብ ጥንታዊ ባህሊ ስለ ዘሎ፡ ብኣኡ ኣሚንካ ወይ ንኣኡ ብምኽባር መገድኻ ቀጽል ማለቶም እዩ። ብገለ ምኽንያት እቲ ናትካ ስነመጎታዊ ኣተሓሳስባ ንግዜኡ ነቲ እትደልዮ መልሲ ወይ ፍታሕ ከምጽኦ ምስ ዘይክእል ድማ፡ ኣይበልናካንዶ፡ ንኣና ግዳ ዘይትሰምዕ ነበርካ፡ ይብሉኻ።

ሓንቲ ናይ መንደቕ ሰዓት፡ ባትሪ ብምውዳ’እ ደው ትብል እያ። እስከ ሰዓት ስለስተ ኪኸውን ከሎ ባትሪ ብምውዳእ ደው ኢላ ንበል። እዛ ሰዓት እዚኣ፡ ወይ ባትሪ ክትምላእ ኣለዋ ወይ ድማ ካብቲ መንደቕ ወሪዳ ኣብ መኻዚኖ ክትቅመጥ ኣለዋ። ምኽንያቱ፡ እዛ ሰዓት እዚኣ ሽሕኳ ጌጋ ሓበሬታ ከም እትህብ ፍሉጥ እንተ ኾነ፡ ኣብ 24 ሰዓታት ውሽጢ ግን ክልተ ግዜ ጥዑይ ሓበሬታ ክትህብ ትኽእል እያ፡ ማለት ኣብ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ለይትን፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትርን ክትሪኣ ከሎኻ፡ ንሰዓት ሰለስተ ስለ እተመልክት፡ ልክዕ ሓበሬታ እትህብ ዘላ ኾይኑ ይስመዓካ። እቲ ግዜ ናብ ሰዓት ኣርባዕተ ገጹ እናተጓዕዘ ኣብ ዚኸደሉ እዋን ግን፡ ንሳ ኣብ ሰዓት ሰለስተ ደሪቓ ስለ እትተርፍ፡ ግጉይ ሓበሬታ እትህብ ከም ዘላ ኪበርሃልካ ይጅምር። ይኹንምበር ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ከተታልለካን ከተእምነካን ትኽእል እያ።

በዚ ስነመጎትዚ፡ ሓደ ግጉይ ኣምር ወይ እምነት፡ ንእተወሰነ ግዜ ንሰባት ከታልል ይኽእል ከም ዝኾነ ክንግንዘብ ይግባእ። እቲ ኣብ ናይ ሕልምን ምትላልን ዓለም (illusion or delusion ) ኪነብር ዝፈቱ ሰብ፡ በዚ እምነትዚ ምቕጻል ደስ እዩ ዚብሎ ።

ገለ ሊቃውንቲ፡ ወድሰብ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ኪነብር ይደሊ ምዃኑ ይሕብሩ እዮም። ነቲ ክዉንነት (reality) ይጸልኦ። ከመይሲ ክዉንነት ወይ ጭቡጥ ኩነታት መሪር እዩ። ሕልማዊ ዓለም ግን፡ ማለት ናይ ክዉንነት ጽላሎት፡ ብፍላይ ነቲ ንኣእምሮኡ ከስርሖ ዘይደሊ ሰብ፡ ከም መንግስተ ሰማይ እዩ። ኣብኡ ድማ ብሰላምን ቅሳነትን ግን ከኣ ብድንቁርና ደስ ኢሉዎ ይነብር (blissful ignorance)።

ኣብቲ ልዕልቲ ናይቶም ክልተ እንተ ደመርካሉ ክልተ ይኸውን ሓሙሽተ ዚብሉ ኣተሓሳስባ፡ ብተወሳኺ ዘኽርሩን ዘጋንኑን ናይ ጥሩፋውነት መንፈስ ዘርእዩን ሰባት ድማ ኣለዉ። ንሳቶም ከምዚ ይብሉ፤ ክልተ ኣራንሺ እንተ ደመርካሉ ሰለስተ ባናና ይኸውን ሸውዓተ ለሚን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ኣኽረርትን ጥሩፋውያንን ኣብ ውልቀመላኽያንን ኣብቲ ንሳቶም ዚመርሑዎ ምሕደራን ሰፊኑ ይረአ። ኣብዚ ኩነታትዚ፡ እቲ ኣእምሮ ከም ዝሞተ እዩ ኪቝጸር ዘለዎ፡ ከመይሲ ሓደ ካብቲ ንኣእምሮ ወድሰብ ከም ዚስንክል ካብኡ ሓሊፉ ድማ ከም ዚምህምን ዚገብሮ ኩነት፡ ጥሩፍነትን ዕዉር እምነትን እዩ። እምበኣር፡ ኣብ ትሕቲ ጥሩፋውያንን ኣኽረርትን ውልቀመለኽትን ምንባር ንርእሱ ካብዚ ስርዒት ጸሓይ ወጻኢ ኣብ ዚርከባ ዓለማት ምቕማጥ ከምኡውን ንስነመጎት ገዲፍካ ንጽላሎቱ ምስዓብ ከም ዝኾነን ክንርስዕ ኣይግባእን።

ሓደ መዓልቲ ሓደ መምህር ነቶም ተመሃሮ ከምዚ ዚስዕብ ናይ ፈተና ሕቶ ኣቕሪቡሎም፤ ኣነ 60 ኪሎ እምዘን፡ ደሞዘይ ድማ 2520 ዶላር እዩ። ስለዚ ኣነ ክንደይ እዩ ዕድመይ?

እቶም ተምሃሮ ነዚ ግድልዚ ኪፈትሑዎ ጸጊሙዎም። ከይመለሹ ድማ ገዲፎምዎ ወጺኦም። ግን ድሕሪ ፈተና ነቲ መምህር መልሱ ኪነግሮም ኣገዲዶምዎ። ንሱ ድማ መልሱ 42 እዩ። ነዚ ንምፍላጥ ድማ 2520 ደሞዘይ ን60 ኪሎ ሚዛነይ ትመቕሉዎ ዚብል ዘስደምም ሓበሬታ ሂቡዎም።

ሽዑ ሓደ ተምሃራይ፡ ኣነውን እኮ፡ መልሱ ረኺበዮ ነይረ እየ፡ ግን ፈሪሀስ ስቕ ምባል መሪጸ፡ ብምባል ነቲ መምህር ሓሳባቱ ገሊጹሉ። እቲ መምህር ገሪሙዎ፡ ከመይ ጌርካ ደኣ 42 ከም ዝኾነ ፈሊጥካ? ከመይ ጌርካ ኣምጺእካዮ? ብምባል ተወኪሱዎ።

እቲ ተምሃራይ ከምዚ ብምባል መለሸ፤ መምህር፡ ኣብ ገዛውትና ሓደ ሰብ ኣሎ ዝፈልጦ። ፍርቂ ጽሉል እዩ። ዕድመኡ ድማ 21 እዩ። ስለዚ እቲ ፍርቂ ጽሉል 21 ዓመት ካብ ኮነ ዕድመኡ፡ ምሉእ ጽሉል ንኺኸውን 42 ዕድመ ኪህሉዎ ይግባእ፡ ብምባል ገሚተ፡ መልሲ ድማ ኣቕሪበ ነይረ ግን ደስ ዘይብለኩም ከይከውን ብምባል ደምሲሰዮ……………።

ኣእምሮ ወድሰብ ካብቲ ብተፈጥሮ ወይ ብፈጣሪ እተዋህበና ህያባት እቲ ዝዓበየ እዩ። ኪሓስብ ከኣዩ ተፈጢሩ እምበር፡ ከም ብዓል ኩሊትን ከብድን ደም ዘጽሪ ወይ ቀመማት ዝፈላሊ ኣካል ኣይኮነን። ኪሓስብ ከሎ ድማ ዚኽተሎ ኣገባብ ኣለዎ። ነዚ ኣገባብዚ ካብቲ ናይ ዩኒቨርስ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ዝረዓሞ እዩ።

ወድሰብ ነዚ ናይ ዘመንና ተክኖሎጂያዊ ምዕባለ፡ ስምዒት ወይ ማሪታዊ ኣተሓሳስባ ብምዝውታር ዘይኮነስ፡ ምሁራዊ ትዕዝብቲ ብምክያድን ስነመጎታዊ ኣተሓሳስባን ኣተናትናን ብምዝውታርን እዩ በጺሑዎ ዘሎ። ሽሕኳ ስምዒት ኣብ ገለ ፍሉይ ኣጋጣምታት ናቱ ዝኸኣለ ጥቕሚ እንተ’ለዎ፡ ከምኡ’ውን ልቦና ኣብ ክፉእን ጽቡቕን ምልላይ ኣብ ፍሉይ ጉዳያት ዓቢ ተራ እንተ’ለዎ፡ (ይኹንምበር፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ’ውን ስነመጎትን ኤቮሉሽናዊ ሳየንስን፡ ሳይኮሎጅን ሶሲዮሎጅን ዝዓበየ ተራ ይጻወቱ እዮም)፡ እቲ ንወድሰብ ካብ በዓቲ ዘሊሉ ናብ ወርሕን ካልኦት ፕላነታትን ከም ዚጓዓዝ ዝገበሮ ሓይሊ ግን፡ እቲ ካብ ኣእምሮኡ ዚፍልፍል ብስነመጎት እተሃንጸ ናይ ምሕሳብን ምትንታንን ሓይሊ ወይ ድራኸ ምዃኑ ብፍጹም ክንርስዕ ኣይግባእን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com