Tuesday , May 14 2024

ሓንቲ ዓለም፣ ገለ ሓሳባትን ርእይቶን ብዛዕባ ፖለቲካ (Reflexions On Politics: 3 end)

ኣማኑኤል ሳህለ

3ይ ክፋልን መወዳእታን

ብዘይካ ኣብ ውሑድ ኣጋጣምታት፡ ኣብተን ዝሓለፋ ዘመናት እተፈጥሩ መራሕቲ መውጻእቲ ሓራ መብዛሕትኦም ካብ ንኡስ ቡርዥዋ ወይ ማእከላይ ቍጠባዊ መደብ እተዋጽኡ እዮም። ሓረስታይ ወይ ዓዃይ ለውጢ ኣይደልን እዩ፡ ካብ ለውጥ ’ውን ብዙሕ ኣይጽበን። ምስ መሬቱን ኣምላኹን እዩ ዚጽጋዕ። እንተ ኸፍኦ ድማ ይምህለል ወይ ይስደድ።

እቲ ህይወቱን ዕድሉን ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኩነታት ሃገር ዝተኣሳሰርን ነቲ ምንቅስቓስ ዚመርሕን ንኡስ ቡርዥዋ ግን ምእንቲ ጥቕሙ ኢሉ እዩ ለውጢ ከምጽእ ዚጓየይ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት መውጻእቲ ሓራ፡ ካብ ፍልስፍናን ንቕሓትን፡ ካብቲ ናይታ ሃገር ታሪኻውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ድሕረባይታ ዚብገሱ ፍልልያት ኪረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ማለት፡ ኩሉኳ ብመሰረቱ ነንጻሕሉ እንተ ኾነ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ምንቅስቓሳት ግን ናይ ዓይነት ዘይኮነስ ናይ ደረጃ ፍልልያት ኪህልዉ ባህርያዊ እዩ።

ኣብዚ ዘመን’ዚ፡ ደሞክራሲ ዚብል ቃል ዳርጋ ኣሽካዕላል ኾይኑ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ደሞክራሲ፡ ህዝቢ ዚሳተፎ ዓይነት ምሕደራ እዩ። ብኣበሃህላ ኣምባገነናት ግን ደሞክራሲ ማለት ነቲ ድልየት መራሒ ከም ናትካ ጌርካ ምቕባልን ከም ንውሉድ ወለዶ ዚሓልፍ ዶግማ ጌርካ ምግንዛብን ማለት እዩ። ናቱ ሓሳባት ከቐድም ዚደሊ ዜጋ እንተ’ሎ፡ ነቲ ሓድሽ ትርጉም ደሞክራሲ ዘይተገንዘበ ጥራይ እዩ።

በዚ መገድ’ዚ እቲ ኣምባገነን ምስ ሞተ፡ ወዱ ይትክኦ። ኣብቲ ቀብሪ ናይቲ ዝሞተ ኣምባገነን፡ ሽዑ እዩ ናይ ሓቂ ደሞክራሲ ብገለ ገጻቱ ዚረአ፡ ማለት ናይ ብኽያትን ልቕሶን ደሞክራሲ። ከም ድላይካ ጌርካ ክትዛረብ ወይ ሓሳባትካ ክትገልጽ ዘይኮነስ፡ ከም ድላይካ ጌርካ ከተልቅስን ከተእውን መሰልካ ኢዩ።

ግን ከኣ ብሞት ናይቲ ኣምባገንን ዚሕጎስ ዜጋ ድማ ስለ ዘሎ፡ ኩሉ ብቪደዮ ይለዓል እዩ። ካብ ክሳድ ንላዕሊ ጥራይ ዝበኸየ ጀነራል መዓርጉ ይቕንጠጥ። ናይ ሓሶት ንብዓት ዘፍሰሰት ኣደመንበር ደቀንስትዮ ካብ ስርሓ ትስጎግ። ልባዊ ብኽያት ዘየርኣየ ካድረ ድማ መጠንቀቕታ ይወሃቦ። ይኹንምበር፡ ኩሉ ሰብ ናይ ምብካይ መሰሉ እተሓለወ እዩ።

ደሞክራሲ ተዋሂቡኩም ኣሎ ግን……. ዚብሃል ኣዘራርባ ኸኣ ኣሎ። ድሕሪ  ”ግን” እንታይ እዩ ኪብሃል ተደልዩ?

ግን….. ናይቲ ሃገር ሕጊ ክትክተሉ ኣሎኩም። ኣየናይ ሕጊ? መን ዘውጽኦ? ንመን ዘርብሕከ እዩ? ነቲ መንግስቲ ዲዩስ ወላ ነቲ ህዝቢ?

ናይ ደሞክራሲ ተቕዋማትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዘይብሉ ሃገር ደሞክራሲ ኪፈጥር ኣይክእልን። ናይ ደሞክራሲ መሓውራትን መትንታትን ዘይብሉ ምሕደራ፡ ንስሙ እዩ ደሞክራሲ ዚብሃል እምበር ዘይሩ ዘይሩስ ኣምባገነንነት እዩ።

ደሞክራሲ ምስቲ ናይ ወድሰብ ናይ ስልጣን ህርፋንን ናይ ዘይነቕሐ ሕዝቢ ባርነታዊ ስነልቦናን ስለ ዘይቃዶ ብዙሕ መስርሕ ተሳጊርካ ዚርከብ ኣገባብ ምሕደራ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ትሑት ንቕሓትን ብሰንኪ እቶም ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ እናበሉ ዚሓልፉ ዘለዉ መራሕትን፡ ብሰንኪ ድሑር ቀቢላውነትን ኣውራጃውነትን ጥሩፋዊ ሃይማኖትን፡ ደሞክራሲ ጌና ከይተተግበረ ይነብር ኣሎ።

ገለ ናይ ፖለቲካ ተዓዘብቲ ከም ዚብሉዎ፡ ሓደ ህዝቢ ንመንግስቲ ኪፈርሆ ከሎ፡ ኣምባገነንነት እዩ። ሓደ መንግስቲ ንህዝቢ ኪፈርሆ ከሎ ግን ደሞክራሲ እዩ።

እዚ ህዝቢኮ ደሞክራሲ ኣይፈቱን እዩ፡ ጭቆና እዩ ዚፈቱ… ኪብሃል ንሰምዕ ኢና። ግን ብመሰረቱ ንሓደ ህዝቢ ደሞክራሲ ከም ዘይፈቱ ዝገብሮ፡ ምሒር ናይ ኣእምሮ ጭቆናን ጸቕጥን እዩ። ንሓደ ከልቢ ንሓሙሽተ ዓመት ብሰንሰለት ኣሲርካዮ ምስ ጸናሕካ እሞ ፈቲሕካ ምስ ኣፋነኻዮ፡ ተመሊሱ ኪመጸካ ንቡር እዩ። ከመይሲ፡ ካብ ዘይፈልጦ ናጽነት፡ ዝፈልጦን ዝበልዓሉን ባርነት ይሕሸኒ ብምባል እዩ ዚምለሰካ። ብመሰረቱ ድማ ዓለሙ ስለ ዝገልበጥካዮ፡ ንማእሰርቲ ከም ናጽነት፡ ንናጽነት ድማ ከም ባርነት ገይሩ ከም ዚወስዶ ስለ ዝገበርካዮ፡ ኣእምሮኡ ኣበላሺኻዮ ኢኻ። መብዛሕትኦም መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ በዚ ተግባርዚ ገበነኛታት እዮም።

ናይ ግዜና ምሁራት ፖለቲካ፡ ኣብቲ ብተደጋጋሚ ዚካየድ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም፡ ለውጢ ንምምጻእ ወይ ድሌት ህዝቢ ንምርዋይ፡ ብዙሕ ኣበርክቶ ዚገብሩ ኣይመስሉን። ካብቲ ኣብቲ ለውጢ ዚካየደሉ ሃገር ኮይኖም ዚዋስኡዎ፡ ኣብ ደገ ኮይኖም ዚዛረቡዎን ዚጽሕፉዎን ዚትንትኑዎን ይበዝሕ። እዚ ከኣ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን፡ ከመይሲ እቲ ናይ ሃገር ፖለቲካዊ ሽግራት ግዜኡ ሓሊዉ ዝመጸ ውጽኢት ናይ ነዊሕ መስርሕ ደኣምበር ከም ሕቶ ዝቐረበ ናይ ፖለቲካል ሳየንስ ፈተና ኣይኮነን። ስለዚ ኣብቲ ዓውዲ ኣቲኻን ምስቲ ህዝቢ ወይ ኣብ ጥቓኡ ኴንካን ምቅላስ ኣማራጺ ዘይብሉ ዕማም እዩ።

ወድሰብ ኣብቲ መሰረታዊ ባህርያቱ ለውጢ ንኸምጽእ ዘመናት ኪወስድ እዩ። እዛ ዓለም እዚኣ ፈቲና ጸሊእና ናይቲ ሓያልን ኣሰናፍን ዓለም ብምዃ፡ ንሓዋሩ ፍጹም ፍትሒ ዚርከብ ኣይመስልን።

ገለ ሰባት፡ ባህርያት ወድሰብ ብሃይማኖት ኪልወጥ ይኽእል ከም ዝኾነ ይኣምኑ፡ ግን ክልተ ሽሕ ወይ ካብኡ ዚዛይድ ዓመታት ዝገበራ ሃይማኖታት ኣብቲ መሰረታዊ ባህርያት ሰብ ምንም ለውጢ ከምጽኣ ከም ዘይከኣላ ኣብ ዙርያና ብምርኣይ ክንግንዘብ ንኽእል። ብኣንጻሩኳ ደኣስ፡ ነቲ ፖለቲካ ሽፋን ብምሃብ፡ ምኽንያት ስቓይ ህዝቢ ኮይነን ሰሪሐን እየን።

ገለ’ውን፡ ትምህርቲ ኣብ ባህርያት ወድሰብ ለውጢ የምጽእ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ፡ ብመሰረቱ ሓቂ እኳ እንተ ኾነ፡ ትምህርትን ፍልጠትን ግን ክልተ ብልሑ ሴፍ ብምዃኑ፡ ንጽቡቕን ንሕማቕን ክትግልገለሉ ኣዚዩ ምቹእ እዩ።

ይኹንምበር፡ ትምህርቲ ኣብ ምልዋጥ ኣተሓሳስባን ኣብ ምስፋሕ ኣረኣእያን ወድሰብ፡ ዓቢ ተራ ስለ ዘለዎ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ መገዲ ምዕባለን ደሞክራስን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com