Tuesday , May 14 2024

መምህራን ካልኣይ ደረጃ፡ ብሓድሽ መምርሒ ቤት ትምህርታት ይሻቐሉ

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፡ ከፊላዊ ምስትምሃር ምጅማሩ ከም ዘሻቐሎም፡ መምህራን ገሊጾም። ዝበዝሑ መማህራን፡ ናይ ርሕቀት ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ክካየድ ከም ዝደልዩ ኣደ-ወንበር ማሕበር መማህራን ኦሳ ቫለን ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።

ተመሃሮ፡ ናብ ትምህርቲ ክዋፈሩ ከም ዘለዎም ልዕሊ መማህራን ዝፈልጥ ኣካል ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ለበዳ ምስ ምህላውና፡ ነዚ ሕማም ብኸመይ ክንከላኸሎ ምሕሳብ ከድልየና እዩ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ። ጥዕና ቀዳማይ ዝመጽእ ጉዳይ እዩ ዝበለት እዛ ኣደ-ወንበር፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ኮሮና፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዝዩ ልዑል ምንባሩን ናይዚ ምኽንያት ድማ ዕብይ ዝበሉ ሰባት ምርካብ ንሓደጋ ለበዳ ዘቃልዕ ብምዃኑ እዩ ኢላ።

ምስ ምልባድ መማህራን፡ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ፡ ኣብ ሓደጋ የእቱ ኣሎ ክትብል ፎለን ዘለዋ ስግኣት ገሊጻ’ላ። ማሕበር መማህራን ንመግለጺ መንግስቲ ብኣወንታ እኳ ዝጥምቶ እንተኾነ፡ ኣካየድቲ ትምህርቲ፡ ኣብ ምትግባር ሕግታት ለበዳን ምፍጣር ውሑስ ኣከባቢ ስራሕን ክነጥፉ ከም ዝግባእ ኣቦ-ወንበር እቲ ማሕበር ጆሃና ኦስትራንድ ለበውኡ ኣመሓላሊፉ።

መንግስቲ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነቲ ዝጸንሐ ሕግታት ብምዝላቕ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣገልግሎት ምስትምሃር ክወሃብ ከም ዝግባእ ገሊጹ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሎቪን ብወገኑ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ጎድኒ ጎድኒ ቀጥታዊ ትምህርቲ፡ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ እውን ምሃብ ክቕጽላሉ ከም ዝግባእ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት እዚ ውሳነ፡ ምስ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ምምሕዳራት ከተማ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ክዓጽዋ ከም ዝኽእላን ስልጣን ኣለወን ኢሉ። ትግባረ ናይዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ዕለት 25/01/2021 ኣትሒዙ፡ ክሳብ ምጅማር ወርሒ ሚያዝያ ክትግበር ምዃኑን ተገሊጹ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com