Monday , May 13 2024

ሰለስተ ሰባት፡ ብሓደጋ መኪና ሞይቶም

ትማሊ ሓሙስ ሰዓት 7፡20 ናይ ምሸት ፡ ካብ ስቬዳላ (Svedala) ወጻኢ፡ ኣብ ዝርከብ መንገዲ ቁጽሪ 832፡ ሂወት ሰለስተ ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ መኪና ከምዘጋጠመ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

እታ ሰለስተ ሰባት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ካብ ቁጽጽር ወጺኣ፡ ምስቲ ኣብ ጎኒ ጽርግያ ዝነበረ ኣግራብ ከምተጋጨወት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ሓቢሮም። ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ፡ ንጹር ከምዘይኮነ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ህጹጺ ረዲኤት፡ ሃምቦስ ኣሮንሶን፡ ሓቢሩ።

ኣብታ መኪና፡ ሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ፡ ጓል 21 መንእሰይን ወዲ 12 ቆልዓን ከምዝተረኽቡን ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒታል ብኣምቡላንስ ከምተወስዱን ድሒሩ ድማ ብሰንኪ ዝወረዶም መጉዳእቲ ከምዝሞቱ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com