Monday , May 13 2024

ስርቂ ነሓስ፡ ጠንቂ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ምንባሩ ተገሊጹ

 

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ኢንኸደ፡ ኦሽታን ቫንቶርን (ደቡብ ስቶክሆሎም) ዝርከቡ ኣስታት 3 ሽሕ ኣባይቲ፡ ካብ ሰዓት 2፡30 ድ.ቐ. ክሳብ 5፡30 ድ.ቐ.፡ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣቋሪጹ ከምዝነበረ ኩባንያ ኤሌቭዮ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ጠንቂ ናይቲ ዘጋጠመ ምቁራጽ፡ ኣብ መስመር ኤሌክትሪክ ብዘጋጠመ ጸገም ምንባሩ፡ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ።

ሓደ መን ምዃኑ ዘይተፈልጠ ሰብ፡ ንመስመር ኤሌክትሪክ ዝገልግል ነሓስ ክሰርቕ፡ ናብ ማእከላይ መደበር ሰይሩ ከምዝኣተወ፡ ወሃብ ቃል እቲ ኩባንያ፡ ቪልሄም ቨነማ፡ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com