Monday , May 13 2024

ስቶክሆልም፥ ኣብ ስርሓት ህንጻ ብሰንኪ እተኸስተ ምውዳቕ ሊፍት ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም

Credit: Fredrik Sandberg

ኣብ ሓደ ህንጻ ኣብ ጠቕሚ ዝውዕል ዝነበረ ሊፍት 20 ሜትሮ ንታሕቲ ብምውዳቑ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን ኣረጋጊጹ። ብቕድሚ ትማል ሶኑይ ኣብ ሰሜን ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ሳንድባይበሪ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሸለልትነት ዘጠቓልል ገበን ኣንጻር ጥዕናን ድሕነትን ስራሕ ከይከውን ይምርመር ኣሎ። ማዕከን ዜና ቲቲ ከምዝሓበሮ እቶም ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰባት ኣብቲ ህንጸት ብቐንዲ ኮንትራክተር ተቖጺሮም ዝነበሩ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com