Tuesday , May 14 2024

ሽወደን፡ ሰሙናዊ ርብዒ ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ንኽትህብ ትዳሎ

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ስሩዕ ኣገባብ ክታበት ብምሃብ ኣብ መላእ ሽወደን፡ ሰሙናዊ፡ ክሳብ ርብዒ ሚልዮን ሰባት ጸረ ኮሮና ክታበት ንኽወግኣ መጽናዕቲ ጀሚረን ኣለዋ።

ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ስሩዕ ዝኾነ ኣገባብ ክታበት ብምድላው፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ክትህብ እያ።

እዘን ምምሕዳራት፡ ነዚ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ንምትግባር፡ ስሩዕ ዝኾነ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ከድልየን እዩ ክትብል ሓላፊት በዓል መዚ ጥዕና ኣብ ማሕበር ምምሕዳራት ከተማን ምምሕዳራትን ዝኾነት ኢማ ስፑክ ገሊጻ።  

እዚ መደብ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ዝጅምር ኮይኑ ዝኾነ ክታበት ክወስድ ዝደሊ ሰብ ኣብ መፋርቕ ክረምቲ ከም ዝወሰደ ክነረጋግጽ ኢና ክብል ኣወሃሃዲ ክታበት ሽወደን፡ ሪቻርድ ፒርስትሮም፡ ሓቢሩ። ካብቲ ዝተጠቕሰ ወርሒ ጀሚሩ፡ ሽወደን፡ ክሳብ 500 ሽሕ ዶዝ፡ ሰሙናዊ ክትቅበል እያ ክብል ወሲኹ።

ኣብዚ ብሃገር ደረጃ ክወሃብ ዝሕሰብ ዘሎ ስሩዕ ኣገባብ ክታበት፡ መንግስቲ ሽወደን ንኹሉ ወጻኢታት ክሽፍን፡ ምምሕዳራት ሽወደን ድማ ናይ ስሩዕ ኣገባብ ክታበት ሓላፍነት ክስከማ እየን።

ክሳብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብ መላእ ሽወደን፡ 80 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ከም ዝተወግኡ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘለዉ ፡ መብዛሕትኦም ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝርከቡ ሽማግለታት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ከምዝወሰዱ ወይ ድማ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክኽተቡ ምኻኖም፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ትማሊ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com