Tuesday , May 14 2024
Social Affairs Minister Lena Hallengren (S) looks set to be rejected by the Riksdag to extend the Pandemic Act by four months. Congress wants to agree to half that time, two months. Foto Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ባይቶ ሽወደን፡ ንቀይድታት ለበዳ፡ ናብ ክልተ ኣዋርሕ ኣሕጺርዎ

መብዛሕትኦም ኣባላት ሽማግለ ባይቶ ሽወደን (Riksdag’s Social Committee) ነቲ ብመንግስቲ ሽወደን ዝቐረበ ንኣርባዕተ ወርሒ ዝጸንሕ ቀይድታት ለበዳ ብዝምልከት፡ ከምዘይተቐበልዎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኽልተ ወርሒ እኹል እዩ ይብሉ።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ሽማግለ፡ ነቲ ናይ መንግስቲ ብዕሊ ኮቪድ-19 መስርሕ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ናይ ምንዋሕ እማመ ንምትግባርን ነቲ ግዜያዊ ናይ መልከፍቲ ምክልኻል ክውሰዱ ብዛዕባ ዘለዎም ስጉምቲታት ብዝምልከት ንምትግባር ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እዮም ዝርከቡ። እቲ ሽማግለ ነቶም ጸብጻባት ብምዝዛምን ነቲ ምንዋሕ ናይቲ እማመ ብዝምልከትን ቅዋም ናይቲ ባይቶ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ከፍልጥ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።

ማዕከን ዜና ተተ ካብ ተሞክሮ ዝፈልጦ ነገር እንተድኣሎ፡ እቲ ዝበዝሐ ኣባል ነቲ ብ4 ኣዋርሕ ንምንዋሕ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ክቕበሉዎ ድሌት ከምዘይብሎም እዩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ሕጊ ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ኣብ ወርሒ ጥሪ ዕለት 31 ከምዝቃጸል ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ነቲ Pandemic Act ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ንኽናዋሕ ክፍቀድ ተስፋታት ገይሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ይኹን እምበር እቲ ሽማግለ ን4 ወርሒ ናይ ምንዋሕ እማመ ናይ ምትእንጋድ ድሌት ከምዘይብሉ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ። መንግስቲ እንድሕር እዚ መስርሕ ክናዋሕ ዝደሊ ኾይኑ ከምብሓድሽ ካሊእ እማመ ሒዙ ክቐርብ ከምዝግባእ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ትማሊ እቶም ኣመራርሓታት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ዝተገብረ ክትዓት፡ መንግስቲ ካብቶም ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ሕጊ ብዘይ ኣግባብ ክጥቀመሉ ይደሊ ከምዘሎ ብምውቃስ ሓያል ነቐፌታ ከምዘውረዱሉ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ሕጊ፡ መንግስቲ ነቲ መልክፈቲ ንምንካይ ዝተፈላለዩ እገዳታት ንምትግባር ብዝምልከት ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ ስልጣን ዝህብ ከምዝኾነ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ። ሰልፊ ሞደራትና ብወገኑ፡ መንግስቲ ነቲ ባይቶ ዝሃቦ ስልጣን ንውልቀ ረብሓኡ ከምዘውዓሎ እዩ ዝወቅስ። ሰልፊ ሊበራል ብወገኑ እቲ ሕጊ ንኸይጸድቕ ‘ኣይፋልን’ ዝብል ድምጺ ክዋሃብ ድሌት ከምዘለዎ እዩ ትጽቢት ገይሩ ዘሎ። ይኹን እምበር ከም ተተ እንድሕር ኮይኑ፡ ነዚ መንጸግቲ ናይዚ እማመ ከረጋግጽ ዝኽእል ዓብላሊ ድምጺ ናይ ‘ኣይፋልን’ ክርከብ ከምዘይክእል እዩ ዝእምት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com