Monday , May 13 2024
Björn Larsson Rosvall / TT / Kod 9200

ብምክንያት ለበዳ ኮሮና-19 ንጥፈታት ባቡር ከተማ ዮተበሪ ሎሚ ሮቡዕ ከምዘይህሉ ተገሊጹ።

ምስ ተወከልቲ ውሕስነትን ጥዕናን እቲ ኲባንያን ድሕሪ ዝተገብረ ዘተ ባቡር ከተማ ዮተበሪ ጽባሕ ረቡዕ 15 ስርሑ ክውዝፍ ሙዃኑ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ብምኽንያት ፍርሂ ለበዳ ኮሮና ስራሕ ትማሊ ደው ክብል እዩ ዝብል ገምጋማት ምንባሩ እውን ኣንተኾነ ብምርድዳ ናብ ሮቡዕ ከምዝተሰጋገረ ይሕበር። ሓደ ሰብ ምልክታት እቲ ሕማም እንተርእዩ ስርሑ ኣቋሪጹ ናብ ሕክምና ንኽኸይድ ከም ዝፍቀደሉ ሕጊ ሽወደን ይብይን። ” እዚ ማለት ግና ኲሎም ዘወርቲ ክዕጸዉ እዮም ማለት ኣይኮነን” ክብል ወኪል ድሕነት ማሕበር ንግድ ምምሕዳራት ከተማ ዮሃን ካንመርት ሓቢሩ’ሎ።

ብብዝሒ ሰባት ብባቡራት ስለ ዝጥቀሙ ዘለዎ መራሕቲ ባቡራት ኣብ ከቢድ ሻቅሎት ለባዳ ኮቪድ-19 ከምዘለዉ ይገልጹ። ኣብ ኣውቶቡሳት ዘሎ ናይ ኣውቲስቲ ቦታ ክዕጾ እኳ እንተገበርና ኣብ ባቡራት ከተማ ግና ዝተፈልየ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ኢና ዘሎና! ክትብል ዳይረክተር ባቡር ከተማ ዮተበሪ ኣኒት ዮሃንሰን ገሊጻ። ድሕሪ ምምጻእ ቅልውላው ኮሮና ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ምስንባቶም፥ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ 76 ሕሙማት ከም እተረኽቡን፥ ጠንቂ እዚ ድማ ዋሕዲ ናውቲ ምክልኻል ምዃኑን ድማ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com