Tuesday , May 14 2024
BRITISH Foreign Secretary Dominic Raab hits back at US accusations. (Kirsty O'Connor/PA via AP) WRC819

ብሪጣንያ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ካቡል፡ ንገዛእ ርእሳ ትከላኸል

ኣሜሪካ ቅድሚ ኣብ ሓሙስ ዝተኻየደ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ንመእተዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቤ ጌት ክትዓጽዎ ድሌት ከም ዝነበራ Politico ዘውጽኦ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓብሩ።

ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክግበር ከም ዝኽእል ልዑል ግምታት እናሃለወ እቲ መእተዊ ክፉት ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣቓሊዑ። እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት፡ ብሪጣንያ፡ ንኣባላታ ናይ ምግዓዝ ስርሓ መታን ከተሳልጥ እዩ፡ ክብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ዶመኒክ ራብ፡ ገሊጹ’ሎ።

ሲቪላውያን ኣባላትና ብኣቢ ጌት ኣቢልና ኢና ኣግዒዝናዮም፡ በዚ ድማ ነቲ መእተዊ ብጸቕጢ ኢና ክፉት ገዲፍናዮ ክብል ኣብሪሁ። ብሪጣንያ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር፡ 5000 ብሪጣንያውያን ዝርከብዎም 17 ሽሕ ሰባት ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ ከም ዝገብረት እቲ ሚኒስተር ገሊጹ’ሎ።

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን መሊሶም ክቈጻጸሩ ዝተገብረሉ ኣገባብ፡ ብሸለልትነት ቤት ጽሕፈት ጒዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ እዩ ዝብል ተሪር ነቐፌታ ክወርድ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com