Tuesday , May 14 2024
The pressure on tests is great and many regions are now changing testing policies. Foto: Claudio Bresciani / TT / Kod 10090

ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት፡ ናይ መርመራ ወጻኢታተን የጉድላ

ብርክት ዝበላ ናይ ምምሕዳር ዞባታት እቲ መልከፈቲ እንዳተ  ኣስፋሕፈሐ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ ኩነታት፡ ነቶም ናይ ኮቪድ-19 መርመራታት ዝምልከቱ ረቛሒታት ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ዝበጽሕ ዘሎ ጽዕንቶ ምኽንያት ብምግባር ይቕይርዎም ከም ዘለው Ekot ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ንመርመራታት ዝወጸ ወጻኢ ልዕሊ 15 ቢልዮን ክሮነር ከምዝነበረ ከፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣብ ምምሕዳራት ብሌኪንየ፣ ሃላንድን ስቶክሆልምን ካብ ሎሚ ንንየው እንድሕር ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፈ ሰብ ዝነብር ኮይኑ እሞ ዝኾነ ይኹን ምልክታት እንድሕር ዘየርእይ ኮይኑ፣ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ናይ ምግባር ግዴት የብሉን ማለት’ዩ።

ተመሳሳሊ ኣሰራርሓ ኣብ ምምሕዳር ዞባታት የንሾፒንግ፣ ክሮንበሪን ዳላርናን ከምዝተተግበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ሎ።

ኣብ ምምሕዳር ሃላንድ፡ ናይ ኮሙኒኬሽንስ ስትራተጂስት ዝኾነት፡ ሻርሎት ታቨሊንግ፡ ከም ዝበለቶ እንተኾይኑ፡ እዚ መስርሕ’ዚ ነቲ ናይ ውሸባ መመርሒታት ብኣሉታዊ መንገዲ ኣይጸልዎን’ዩ ዝብል ትጽቢታት ከምዘለው እያ ትሕብር።

ሓደ ኣባል ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ብኮቪድ-19 እንድሕር ተለኺፉ፡ ናብ ገዝኡ ከይዱ ን7 ማዓልታት ክውሸብ ኣለዎ። ምልክታት እንድሕር ተራእዮም ድማ መርመራ ክውሰዱ ይግበር ማለት’ዩ።

ከም ጸብጻብ P4 Skaraborg  እንድሕር ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሽወደን፡ 11 ሚልዮን PCR መርመራታት ተኻይዶም’ዮም። “እንድሕር ነዚኦም መርመራታት ዝወጸ ናይ 2021 ወጻኢ ርኢናዮ ድማ፡ ልዕሊ 15 ቢልዮን ክሮነር እዩ ነይሩ። እዚ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ መጠን ይኹን እምበር ብሰፊሑ ኢና መርመራታት ኣካይድና” ክትብል፡ ኤማ ስፓክ፡ ኣብ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ሓላፊት ናይ ክፍሊ ሓለዋ ጥዕና፡ ንጋዜጣታት ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com