Monday , May 13 2024

ቻይና፡ ካብ ኣገዳሲ ኣኼባ ክሊማዊ ለውጢ፡ ተቡክር

ቻይና ካብታ ብብሪጣንያ እተዳለወን ብኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ዝንገረሉ ልዝብ ክሊማዊ ለውጢ ከም ዝቦኸረት ቢቢሲ ሓቢራ።

ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘተ ኪሊማዊ ለውጥን ልምዓትን፡ ካብ 35 ሃገራት እተዋጽኡ ሚኒስተራት ክሳተፉ እዮም። ኣብዚ ኣኼባ ኣመሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፥ ህንዲን ካልኦትን እናተሳተፋ ቻይና ምብኳራ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ።

ቻይና ኣብዚ ኣኼባ ንኽትሳተፍ ብኽብሪ እኳ እንተተዓደመት ኣብኲራ ኣላ ክትብል ብሪጣንያ ሓቢራ’ላ። ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ብሪጣንያን ሞገት ከምዝጸንሐን ብሰንኪ’ዚ፡ ምሕርፋፍ ዲፕሎማሲ ምኽሳቱ ዝዝከር እዩ።

ቻይና ቅድሚ ሒደት መዓልታት “ናይ ሓሶት ወፍሪ ኣካይዶም” ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም 9 ዜጋታት ብሪጣንያ–እንተላይ 5 ኣባላት ባይቶ እገዳታት ኣንቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com