Tuesday , May 14 2024
Rescue workers are seen at the site of a collapsed 21-story apartment building under construction in Lagos, Nigeria, Monday, Nov. 1, 2021. (AP Photo/Sunday Alamba) XSA110

ናይጀርያ . . . ሓደ ህንጻ ብምፍራሱ፡ ሃለዋት ብዙሓት ሰባት ተሳኢኑ

ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ናይጀርያ ዝኾነት ሌጎስ፡ 21 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ብምፍራሱ፡ ብውሕዱ 6 ሰባት ምሟቶምን 100 ዝኾኑ ደሃዮም ከም ዝጠፍአን ዛጊት ናይ መድሕን ስርሒት ይካየድ ምህላዉን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብቲ ፍርስራስ ናይቲ ህንጻ፡ ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት ክርከቡ እንከለዉ ካልኦት ሰለስተ ድማ ፈኲስ መጒዳእቲ ዝወረዶም ኣብቲ ቦታ ሕክምናዊ ረድኤት ከም ዝተገብረሎም ተሓቢሩ።

እዚ ህንጻ ኣብ ኢኮዪ ዝበሃል ዕሙር ናይ ንግዲ ኣከባቢ ከም ዝርከብን እቲ ምፍራስ፡ ብምኽንያት ሳንኮፍ ሕጊ ህንጻ ዝተኸስተ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ፕረሲደንት ናይጀርያ፡ ማማዱ ቡሃሪ፡ እቲ ጻዕሪ መድሕን ተጠናኺሩ ክቕጽል ጻውዒት ጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com