Tuesday , May 14 2024
STOCKHOLM 20200811 Fr.v. Peter Fredriksson, generaldirektör, Skolverket och bakom honom, Per-Arne Andersson, avdelningschef, Sveriges Kommuner och Regioner under tisdagens myndighetsgemensamma pressträff om coronapandemin. Foto: Jonas Ekströmer / TT kod 10030

ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ፡ ኣብ ብቕዓት ተማሃሮ ብዛዕባ ዝህልዎ ሳዕቤን ኣይተፈልጠን

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ፡ ኣብ ብቕዓት ተማሃሮ ካብ ዝህልዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክሳብ ሕጂ ዝፈለጥናዮ ጉዳይ የለን ክብል ዳይረክተር ጀነራል በዓልመዚ ትምህርቲ ፒተር ፍረድሪክሰን ገሊጹ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ዛጊት ብዛዕባ እዚ ሕቶ ብቑዕ መልሲ የብልናን ይብል። በዓልመዚ ትምህርቲ፡ ነቲ ውጽኢታት ብምጽናዕን ብምክትታልን ሓፈሻዊ ጽልዋ እዚ ለበዳን ናይ ርሕቀት ትምህርትን ክድህስስ እዩ ክብል ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብመሰረት ፍረደሪክሰን ዝሃቦ ቃል፡ እዚ ጉዳይ፡ ብመንጽር ተመሃሮ ዘብኮርዎ ትምህርትን እዚ ክሳብ ክንደይ ኣብ መስርሕ ምስትምሃርን ጽልዋ ጌሩ ዝብል ኮይኑ እዚ ብቐሊሉ ክረአ ዘይግባእ እዩ ክብል ገሊጹ።

ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ ግዜ፡ እናተናወሐ ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡  ኣብ መስርሕ ምቅብባል ፍልጠት ኣሉታዊ ሳዕቤናት እንዳ በዝሐ ክመጽእ ከምዝኽእል ኣስሚሩሉ።

ብመሰረት ብበዓልመዚ ትምህርቲ ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ክልተ ሲሶ(2/3) ካብ መማህራን ምሉእ ብምሉእ ወይ ድማ ብኸፊልን ብናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ እዮም ዝምህሩ ዘለዉ። እንተኾነ ግና ዝበዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ንኽልቲኡ ኣገባባት ማለት ትምህርቲ ርሕቀትን እቲ ንቡርን ብሓባር ከካይዳ እየን ዝፍትና ዘለዋ።

በዓልመዚ ትምህርቲ፡ ንጽልዋ ትምህርቲ ርሕቀት ብኸመይ ከም ዝዕቅኖ ኣብ ሽግር ምህላዉ ዝገለጸ፡ ፍሬድሪክ፡ ብተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ከይተማሃርዎም ዝተሰግሩ ኮርሳት ዝትካኣሉ ኣገባባት ክዳሎ ምዃኑ፡ ምናልባት ኣብ ክረምቲ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ ምሸታዊ ወይ ድማ ኣብ በዓላት ብዝካየድ ምስትምሃር ናይ መተካእታ ፕሮግራም ክህሉ ከም ዝኽእል  ብተወሳኺ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com