Tuesday , May 14 2024

ንሽወደን ገጹ ዘምርሕ ዝነበረ ጽዕነት፡ ብመንግስቲ ዴኒማርክ ተሃጊሩ

ካብ ዴኒማርክ ናብ ሽወደን ዘምርሕ ዝነበረ ጽዕነት፡ ናውቲ ክታበት ኮሮና፡ ብሰብ መዚ ጉምሩክ ዴኒማርክ ከምዝተሃገረ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ብመሰረት’ታ ጋዜጣ፡ ምርኽኻብ ናይቲ ጽዕነት፡ ኣብ ውሽጢ ዴኒማርክ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ምኽንያት፡ ብኮፐንሃገን ከምዝተዋህበ ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ ዴኒማርክ፡ ነቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝፈረየ ናውቲ ክታበት ኮሮና፡ ናብ ሽወደን ገጹ ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ንኽህግሮ፡ ካብ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ መምርሒ ከምዝተዋህቦን፡ ሽወደን ድማ፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ንምፍትሑ ትሰርሕ ከምዘላ ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ዝምድና ዘለዎም ምንጭታት ገሊጾም።

ብሰንኪ እዚ  ዝተፈጥረ ምዱንጋይ፡ ምምሕዳር ብሊኪንየ (Blekinge) ትርከበን ብዙሓት ምምሕዳራት ሽወደን፡ ብኣሉታ ተጸልየን ምህላወን ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com