Tuesday , May 14 2024
A broken children's stroller lays on W. Main St. in downtown Waukesha, Wis., after an SUV drove into a parade of Christmas marchers Sunday, Nov. 21, 2021. (John Hart/Wisconsin State Journal via AP) WIMAW603

ኣሜሪካ . . . SUV ዝዓነታ መኪና፡ ናብ እኩብ ህዝቢ ጠኒና ኣትያ

ኣብ ከተማ ዋውከሻ፡ ምዕራብ ሚልዋኪ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 4:40 ድ.ቀ.፡ ሓደ በዓል SUV ዝዓይነታ መኪና፡ ናብቶም ክሪስማስ ክጽንብሉ ኢሎም ኣብ ጎደናታት ሰልፊ ዝገብሩን ዝዕዘቡን ዝነበሩ ሰባት ጠኒኑ ብምእታዉ፡ 5 ሰባት ክቐትል እንከሎ ኣስታት 40 ዝኾኑ ድማ ኣካላዊ መጉዳእቲ ወሪድዎም ኣሎ ክብል ዋና ኣዛዚ ፖሊስ፡ ዳን ቶምፕሰን፡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጥ፡ ኣንጀሊቶ ተኖርዮ፡ ን ሚልዋኪ ሰንቲነል ጆርናል ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስቲ ምምጻእ ክሪስማስ ዝጽንብል ዝነበረ ሰልፊ ጸኒሑ እልይ ምስ በለ እቲ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ መስኪሩ። “እታ መኪና ጠኒና ናብቶም ተሰለፍቲ ክትንህርን ናይ ምግጫው ድምጺን ሰሚዕና። ድሕሪኡ እዝኒ ዝቐድድ ኣውያትን ብኽያትን ስዒቡ” ኢሉ። ፖሊስ ሓንቲ መኪና ብጠርጠራ ሒዞም እኳ እንተለዉ ዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡ ግና ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com