Tuesday , May 14 2024
German Health Minister Karl Lauterbach (AP Photo/Michael Sohn) SOB107

ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት፡ 80 ሽሕ ሰባት ከም ዝተለኽፉ፡ ጀርመን ሓቢራ

ጀርመን፡ ብሓድሽ ቁጽሪ ናይ`ቶም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብኮቪድ-19 ዝተታሕዙ ግዳያት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሓ ትርከብ፡፡

ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት፡ ናይ 80.430 ዝኣኽሉ ሓደስቲ ግዳያት ጸብጻብ ናብ ትካል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ሽወደን ከም ዝተዋህበ፡ እዚ ከኣ ካብቲ ኣብ መፋርቕ ናይ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝነበረ እዋን ኣትሒዙ ዝተመዝገበ ናይ ልዕሊ 65.000 ሓደስቲ ግዳያት ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ `ዩ ዘመልክት ተባሂሉ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ 384 ዝኣኽሉ ሓደስቲ ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ከም ዝሞቱ ተመዝጊቡ፡፡ ጀርመን ብመንጽር እቲ ለበዳ፡ ብሓፈሻ ካብ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ብሰንክ `ቲ ሕማም ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፡ ናብ ሽወደን ዝቐረበት ኮይና ትቕጽል ከምዘላ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ዘሎ ከቢድ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ጽዑቕ ምይይጥ ዝካየደሉ ዘሎ ሓፈሻዊ ናይ ክታበት ግዴታ ንኸቀላጥፉ ናይ ማሕበር ሕክምና ዓለም ፕረዚደንት ዝኾነ ጀርመናዊ ፍራንክ ኡልሪኽ መንቶጎመሪ ንፖለቲከኛታት ኣተሓሳሲቡ፡፡

ናይ ካርኒቫል ሰሙን ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ባንደስታግ ከም ዘይ እከብ ሰሚዐ፡ እዚ ከኣ ከም ጽፍዒት ንኹሎም ናይ ለይትን መዓልትን ተረኛታት ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ጌረ `የ ዝርእዮ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኮለን ዝካየድ ካርኒቫል ብምጥቃስ ንኣር.ቲ.ኤል ዳይረክት ገሊጹ፡፡

ይኩን ምበር ፕረዚደንት ፈደራል፡ ፍራንክ ዋልተር ሽታይንመየር፡ ግን ሕልና ንክህልወና ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ `ዩ፡፡

ከም ንኽታበት ግዴታ ምግባር ዝኣመሰሉ ከበድቲ ስጉምትታት ንምተትታው ምርጫ ቅድሚ ምክያድ ዕሙቕ ዝበለ ምይይጥ ክግበር  ከምዘለዎ `ውን እቲ ናይ ጽምብላት ስነ-ስርዓት ቀንድ ስርሑ ዝኾነ መራሒ `ታ ሃገር ተላቢዩ `ዩ፡፡

እዚ ፍልይ ዝበለ ናይ ለበዳ ኩነታት፡ መንግስቲ ስጉምቲ ንኽወስድ ዘለዎ ናይ ጸቕጢ ድርኺት ዝውስኽ ዩ፡፡ እንተኮነ ግን ዘሎ ክርክርን ረብሓታትን ገና ኣብ ነሓድሕዱ ክማዛዘን ይግባእ ብምባል ምሕጽንትኡ ዛዚሙ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com