Tuesday , May 14 2024
Claudio Bresciani / TT / Kod 10090

ኣና ፡ ጥዕና ተቐማጦ ሽወደን ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ሙኻኑ ን ሲ. ኤን. ኤን. ትገልጽ።

ለበዳ ቫይረስ ምግታእን ነቶም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ክፋል ሕብረተሰብ ምድሓንን እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሽወደን ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ቫይረስ እትኽተሎ ዘላ ስትራተጂ ምዃኑ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣን ሊንዲ፡ ኣረጋጊጻ። ውሕስነት ጥዕናን ድሕነትን ተቐማጦ ሽወደን ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ፡ ምኽሪ ናይ ክኢላታት ሰብ ሞያ ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ቅኑዓት ዝብሎም ስጉምታት ኣብ ግዜኦም ንኽትግበሩ ጸቒጡ ካብ ዝሰርሓሎም ዘሎ ጉዳያት ምዃኖም እታ ሚኒስተር ሎሚ ምስ ሲ. ኤን. ኤን. ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ገሊጻ። ብሰብ ሞያ ንዝቐርቡ ምኽርታት ኣብ ግቡእ መዓልኦም ክውዕሉ ከምዘለዎም ክረጋገጽ ይግባእ።

ኣተሓሕዛ ጸረ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለ እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ኮይኑ ከም ቀንዲ ክጥቀስ ዝኽእል ግን ናይ ሕብረተስበን ባህሊ እዩ። ሓንቲ ሃገር እትጥቀመሉ ኣገባብ ነታ ካልኣይቲ ሃገር ከይጥዕማ ይኽእል ክትብል ወሲኻ። ሽወደንን ህዝቢ ሽወደንን፡ ከምተን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለምና ዘጋጠመን ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከም ዝተጸልወትን ሂወት ሽወደናውያን ውን ከምቲ ንቡር ይጓዓዝ ከምዘየሎን ብምግላጽ፡ እቶም ኣብ ኣሃዱ ጥዕና ዝሰርሑ ዘለዉ ክፋል ሕብረተሰብ ብዝያዳ ነዚ ሕማም ዝተቓልዑ ብምዃኖም ኣብ ቃልስን ስግኣትን ምህላዎም፡ ኣረጋውያን ደቆምን ደቂ ደቆምን ክርእዩ ብዘይምኽኣሎም፡ ወነንቲ ትካላት ነዚ ሽግር ክሰግሩ ይቃለሱ ከምዘለዉን ከም ውሑድ ኣብነት ናይቲ ብዙሕ ጽልዋታት ብምባል ኣብሪሃ።

ዕላማ ስትራተጂ ሽወደን፡ ለበዳ ቫይረስ ምግታእን ድሕነት ዜጋታታ ምውሓስን ከም ቀዳምነት ክስርዖ እንከሎ፡ ንኣሃዱ ጥዕና ዝኸውን እኹል ቀረብ ምውሓስ፡ ቅልውላው ኮሮና ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዘለዎ ጽልዋ ምቁጽጻር፡ ቅልውላው ኮሮና ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ኩባንያታትን ዜጋታትን ዘለዎ ጽልዋ ምጉዳል፡ ዜጋታት ሓቀኛ ሓበሬታ ንኸይህቡ ዘለዎም ስግኣታት ምንካይን ቅኑዓት ስጉምታት ኣብ ግዜኦም ምትግባርን ዝኣመሰሉ እዮም ክትብል ሊንዲ ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com