Tuesday , May 14 2024

ክታበት ሞደርና፡ ጸረ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ኣድማዕነት ኣለዎ ተባሂሉ

ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ክታበት፡ ጸረ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣድማዒ ዝኾነ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ’ቲ ኩባንያ ከምዝሓበረ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ከምዝፍለጥ፡ ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ክታበት፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና፡ ዝተኻየደ ፈተና፡ ድኹም ውጽኢት ከምዝረኸበ ይፍለጥ።

ሽወደን፡ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ኣቢሉ፡ ክታበት ሞደርና፡ ድሕሪ ብኤውርጳዊ ሕብረት ምርግጋጹ፡ ክትጥቀመሉ ከምዝጀመረት ይዝከር።

ኩባንያ ሞደርና፡ ኣብ ዘካየዶ ላባራቶራዊ መጽናዕቲ፡ እቶም ብፍርያቱ ዝተኸትቡ ሕሙማት፡ ኣንጻር እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና፡ ጸረ ኣካል ከምዘማዕበሉ ሓቢሩ። እዞም ጸረ ኣካል፡ ንምስፍሕፋሕ ናይዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ፡ ከምዝዕንቅጹ ተፈሊጡ ኣሎ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com