Monday , May 13 2024
(AP Photo/David J. Phillip, File) NYSB204

 ዋጋታት ጸዓት ኤሌክትሪክ: ዓቢ ወሰኽ ኣርእዩ

ከም መዐቀኒ ዋጋታት ናይ ኖርዲክ ጸዓት ኤክስቸንጅ ኖርድ ፑል (Nordic electricity exchange Nord Poolእንተኾይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዋጋ ጸዓት ኤሌክትሪክ: እንደገና ይውስኽ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ምኽንያት ናይዚ ዋጋ ወሰኽ፡ ዝሑል ኩነታት ኣየር ምስ ዋሕዲ ዋሕዚ እቲ ካብ ሩስያ ናብ ኤውሮጳ ዝስደድ ጋዝ ተደሚሩ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ንማልመ ሓዊሱ እቲ ጨረታ ናይ ዞን SE4 ዋጋታት ጸዓት ኤሌክትሪክ፡ ካብቲ ብሮቡዕ 1.12 ክሮኖር ኣብ ሰዓት ዝነበረ ኣብ መበል 12 መዓልቲ ናብ 1.75 ክሮነር ንኪሎዋት ክብ ከም ዝበለ ተሓቢሩ።

ብሰዓት ክስላዕ ከሎ ኣብ መበል 12 መዓልቲ ናይቲ እዋን ጨረታ፡ እቲ ኣብ ከባቢታት SE3 ኮም ኡ’ውን SE4 ዝነበረ ዋጋ ናብ 2.81 ክሮኖር ንኪሎዋት ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ።

እቲ ንየተቦሪን ስቶክሆልምን ዘጠቃልል ናይ ከባቢ SE3 ናይ ዋጋ ዝርገሐ ብዝምልከት: ኣብ በዓል ጥምቀት: እቲ መዓልታዊ ዋጋ ንሰዓት ናብ 1.74 ክሮኖር ንኪሎዋት ክብ ከምዝበለ ተሓቢሩ።

እዚ ወሰኽ ናይ ዋጋ ጸዓት: ምስቲ ዝሑል ኩነታት ናይ ኣየር ተተሓሒዙ ዝመጸ እኳ እንተኾነ፥ ብተወሳኺ ግና ምስቲ ኣብ ኤውሮጳ ሃንደበት ንሰማይ ዝዓረገ ዋጋታት ባህርያዊ ጋዝ ዝተተሓሓዘ’ውን ከምዝኾነ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ። እዚ ንባዕሉ ድማ፡ ምስቲ ካብ ሩስያ ናብ ኤውሮጳ ዝላኣኽ ዘይልሙድ ትሑት ዋሕዚ መጠን ናይ ተፈጥሮ ጋዝ ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተካኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com