Tuesday , May 14 2024
(Yui Mok/PA via AP) AMB804

ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ

 

ትማሊ ሓሙስ፡ ከባቢ ሰዓት 6 ናይ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ፕላይማውዝ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰባት ብዝተኸፍተ ቶኽሲ፡ ውሱናት ክሞቱ እንከለዉ ገለ ድማ ብዝወረዶም መጉዳእቲ ቆሲሎም፡ ናብ ሕክምና ከምዝተወስዱ፡ ፖሊስ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣረጋጊጹ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣባላት ፖሊስ፡ ኣምቡላንስ፡ ኣባላት ሕክምናን ፍሉያት ሓይልታትን ኣብቲ ቦታ ከምዝተረኽቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይሕብሩ።

እቲ ፍጻሜ፡ ምስ ግብረ ሽበራዊ ፍጻሜ ዝምድና ከምዘይብሉ፡ ናይቲ ከባቢ ፖለቲከኛ፡ ጆኒ ሜርሰር፡ ኣብ ገጻት ትዊተር ጽሒፉ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣባል ፓርላማ ዝኾነ፡ ሉክ ፖላርድ፡ ብወገኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዞባ ከይሃም ዘጋጠመ ፍጻሜ፡ ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ነበርቲ ከም ዝተዘራረበን፡ እቲ ኩነታት ኣሰካፊ’ኳ እንተኾነ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ግምታት ከይወሃብን ወይ ድማ ስእሊ ናይ ግዳያት ከይዝርጋሕን ኣጠንቂቑ።

እቲ ፈጻሚ ናይቲ ቅትለት፡ ከምዝሞተ፡ ማዕከን ዜና ስካይ ኒውስ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com