Monday , May 13 2024

77% ካብ ሽወደናውያን፡ ክታበት ኮሮና ክኽተቡ ድልውነቶም የረጋግጹ

ብትካል ኖቮስ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከምዝሕብሮ፡ ኣስታት 77% ካብ ተቐማጦ ሽወደን ዝኾኑ ሰባት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ንክውግኡ ድልዋት ምዃኖም ገሊጹ። እዚ ቁጽሪ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተረኽበ ውጽኢት ዳህሳስ፡ ዝበዝሐ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።

ንድልውነት ክትባት ጸረ ኮሮና ክታበት ብዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ዝተፈላለየ ብዝሒ ከምዝተራእየ ዝሓበረ፡ ተንታኒ ፖለቲካ ሬድዮ ኢኮት፡ ፍሪድሪክ ፎርትንባኽ፡ ደገፍቲ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ እቶም ዝወሓደ ድልውነት ክትባት ጸረ ኮሮና ክታበት ዝነበሮም ኮይኖም፡ 57% ጥራይ፡ ድልውነቶም ዘረጋገጹ ምንባሮም፡ ሓቢሩ።

ጠንቂ ናይቲ ኣብ ደገፍቲ ሰልፊ SD ዝተራእየ ትሑት መጠን ድልውነት ክትባት፡ እቲ ሰልፊ ዘመሓላልፎ ኣሉታዊ ስእሊ ናይ መንግስታውያን ትካላት ክኸውን ከምዝኽእል፡ ፎርትንባኽ፡ ገሊጹ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com