Saturday , May 18 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ካልኣይ እብረ ክታበት፡ ድሕሪ ሽውዓተ ሳምንታት ክወሃብ ምኽሪ ተመሓላሊፉ

ቀዳማይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ፋይዘርን ሞደርናን ዝተኸትቡ ውልቀ ሰባት፡ እታ ካልኣይቲ እብረ ክታበት ድሕሪ ሸውዓተ ሳምንታት ክወሃብ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ መኺሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ናህሪ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ከም ዝኾነ፡ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ። ዝበዝሑ ዜጋታት ሽወደን፡ ሓደ እብረ ክታበት ክወስዱ እንተድኣ ክኢሎም፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ዘለዎም ተጻዋርነት ክዓቢ ስለዝኽእል፡ በኡ …

Read More »

ምኽርታት መገሻ፡ ካብ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ኣገደስቲ ዘይኮኑ መገሻታት ንኽውገዱ፡ መምርሒታት ኣመሓላሊፉ እኳ እንተነበረ፡ ንቐጻልነቱ ኣመልኪቱ፡ ክሳብ ዕለት 01 ሓምለ ክጸንሕ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ይኹን እምበር፡ ካብዚ ናይ መገሻ መምርሒታት ነጻ ዝኾና ሸውዓተ ሃገራት ከምዘለዋ፡ ናብዘን ሃገራት፡ ዝኾነ ዓይነት መገሻታት ክግበር ከምዝከኣል፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ። እተን ሽውዓተ ሃገራት ድማ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ምንቁልቋሉ ይቕጽል ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 6600 ሰባት ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ እንከለዉ፡ 10,500 ሰባት ድማ ናብ ስራሕ ወይ ድማ ናብ ትምህርቲ ከምዝተመልሱ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ። ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 416 ሽሕ ብምብጽሑ እቲ መጠን፡ ካብ 8.1% ናብ 8.0% ወሪዱ ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት …

Read More »

Harmony Media news 24 May 2021

Read More »

ዲ/ሪ/ኮንጐ፡ ኣብ እምባ ኚራጎንጎ፡ ብዝተፈአ እሳተ ጐመራ፡ ሞትን ዕንወትን ይስዕብ

ኣብ እምባ ኚራጎንጎ፡ ዓቢ ነትጒ እሳተ ጐመራ ድሕሪ ምግጣሙ፡ ተቐማጦ ዲ/ሪ/ኮንጎ ሰቦምን ኣባይቶምን ከም ዝጠፍኦም ተገሊጹ። እዚ ብቐዳም ዘጋጠመ ምትፋእ ዝመኸኸ ኣኻውሕ፡ ቅድሚ ናብታ ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ነበርቲ ዘለዉዋ፡ ከተማ ጎማ፡ ምብጽሑ ደው ምባሉ ተገሊጹ’ሎ። በዚ እሳተ ጎመራ ዛጊት 15 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ እኳ እንተሎ፡ ኣብተን ኣዝየን ዝተጠቕዓ ከባቢታት፡ ይካየድ ብዘሎ መርመራ፡ ቊጽሪ ግዳያት ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል …

Read More »

ግብጻውያን፡ ብሞት ኮኾብ ኮሜድያን፡ ሰሚር ቓኒም፡ ሓዘኖም ይገልጹ

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ከዋኽብቲ ኮሜዲ ግብጺ ዝኾነ ሰሚር ቓኒም፡ ብምኽንያት ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣብ መበል 84 ዓመቱ ዓሪፉ። ሰሚር፡ ካብ 1960ታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃገራት ዓረብ፡ ብናይ መድረኽ ተዋስኦ፡ ተኸታታሊ ናይ ተሌቪዥን ድራማታትን ፊልምታትን ዓቢ ዝና ዝረኸበ ተዋሳኣይ እዩ ኔሩ። ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ዝጸንሐ ቓኒም ብሓሙስ እዩ ኣብ ከተማ ካይሮ ዓሪፉ። በዓልቲ ቤቱ ተዋሳኢት ደላል ዓብደልዓዚዝ እውን፡ ብሕማም …

Read More »

ኣብ ሃገረ ጣልያን፡ ብምውዳቕ ተለፈሪካ፡ 14 ሰባት ሞይቶም

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ፡ ጥቓ ቀላይ ማጆሬ፡ ብዘጋጠመ ምውዳቕ ተለፈሪካ፡ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ብውሕዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱን ሓደ ህጻን ክብድ ዝበለ መቚሰልቲ ከም ዘጋጠሞን ተገሊጹ። ተጓዓዝቲ፡ ካብ መዘናግዒት ከተማ ስትሬሳ ናብታ ልዕሊኣ እትርከብ እምባ ማታሮን እናኸዱ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዘሎ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ኣግራብ ዝመልኦ ጸዳፍ ቦታ ዝዓነወ ተለፈሪካ፡ ካብቲ ከባቢ እተረኽበ ስእልታት የመልክት። ካብቶም …

Read More »

ወተሃደራዊ መራሒ ምያንማር፡ ሳን ሱቺ፡ ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ኣላ ይብል

ወተሃደራዊ መራሒ ምያንማር፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ጎነጻዊ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ንፈለማ እዋን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘመሓላለፎ ቃለመሕትት፡ ሳን ሱቺ፡ ኣብ ደሓን ጥዕናዊ ኩነታት ምህላዋ ገሊጹ’ሎ። እዚ ሚን ኦንግ ህላዪን፡ ዝስሙ ወተሃደራዊ መራሒ፡ ሳን ሱቺ፡ ኣብ ዝቕጽላ ክልተ መዓልታት ናብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ምዃና እውን ገሊጹ’ሎ። ንሳ እዚ ዕልዋ ካብ ዝካየድ ንደሓር፡ ዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ከም …

Read More »

ኣብ ህንዲ ካልእ ለበዳ ተኸሲቱ

ሃገረ ህንዲ፡ 8800 ሰባት ብቀዛፊ ሕማም “ጸሊም ፋንገስ” ከም እተለኽፉ ገሊጻ’ላ። እዚ ብሙክሮሚኮሲስ እናተባህለ ዝፍለጥ ሳሕቲ ዝረአ ሕማም፡ 50% ናይ ምቕታል ዕድል ከም ዘለዎን ገለ ሰባት ሓንቲ ዓይኖም ጐልጒልካ ብምውጻእ ጥራይ ከም ዝድሕኑን ቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ እዚ ሕማም ከም እተራእየን፡ ብፍላይ ድማ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ነዚ ዝያዳ ተቓላዕቲ ምዃኖምን ዶክተራት …

Read More »

ብሰንኪ ኮቪድ-19፡ ብዙሓት ኣብ ጽላት ጥዕና ዝሰርሑ ሞይቶም

ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣስታት 115 ሽሕ ሰራሕተኛታት ብሞት ከምተፈልዩ፡ ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዞም ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ን18 ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ኣብ ቅድሚ ግንባር ኮይኖም ነቲ ሕማም ክብድሁ ጸኒሖምን ኣለዉን ክብል፡ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣድናቖቱ ገሊጹ። እዞም ሰራሕተኛታት፡ ንካልኦት ሰባት ንምድሓን፡ እቲ ዝኸበረ ዋጋ፡ ሂወቶም፡ ከፊሎም። ብኻልእ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com