Friday , May 3 2024

ዲ/ሪ/ኮንጐ፡ ኣብ እምባ ኚራጎንጎ፡ ብዝተፈአ እሳተ ጐመራ፡ ሞትን ዕንወትን ይስዕብ

ኣብ እምባ ኚራጎንጎ፡ ዓቢ ነትጒ እሳተ ጐመራ ድሕሪ ምግጣሙ፡ ተቐማጦ ዲ/ሪ/ኮንጎ ሰቦምን ኣባይቶምን ከም ዝጠፍኦም ተገሊጹ። እዚ ብቐዳም ዘጋጠመ ምትፋእ ዝመኸኸ ኣኻውሕ፡ ቅድሚ ናብታ ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ነበርቲ ዘለዉዋ፡ ከተማ ጎማ፡ ምብጽሑ ደው ምባሉ ተገሊጹ’ሎ።

በዚ እሳተ ጎመራ ዛጊት 15 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ እኳ እንተሎ፡ ኣብተን ኣዝየን ዝተጠቕዓ ከባቢታት፡ ይካየድ ብዘሎ መርመራ፡ ቊጽሪ ግዳያት ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሚቱ’ሎ። ትሽዓተ ካብዞም ግዳያት ኣብ እዋን ህድማ ብዝነበረ ሓደጋ ትራፊክ ዝሞቱ እዮም ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣርባዕተ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምልጡ እናፈተኑ፡ ክልተ ኸኣ ብህይወቶም እናሃለዉ በቲ እሳተ ጎመራ ተቓጺሎም ከም ዝሞቱ ኣፈኛ መንግስቲ፡ ፓትሪክ ሙያያ፡ ትማሊ ሰንበት ገሊጹ።

ብባህርያዊ ሓደጋ፡ ዛጊት 170 ህጻናት ከም ዝጠፍኡን ካብ ቤተ ሰቦም ከም እተፈላለዩ ዘመልክተ ጸብጻብ UNICEF፡ ነዞም መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናት ንምእላይ፡ ማእከል ትሕቲ ዕድመ ኣብ ምህናጽ ከምዝርከብ ገሊጹ። እቲ እሳተ ጎመራ ኣብ ኣውራጃ ቡሄነ፡ ጥቓ ከተማ ጎማ፡ ደው ምባሉን ኣማኢት ኣባይቲን ዓበይቲ ህንጻታትን ተቐቢሮም ምህላዎምን ቢቢሲ ወሲኻ ሓቢሩ።

ኣብ ዓመተ 2002፡ ተመሳሳሊ እሳተ ጎመራ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ጎማ ነቲጉ 250 ሰባት ከም ዝቐተለን 120ሽሕ ኣባይቲ ድማ ኣዕንዩ ከም ዝነበረን ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com