Thursday , May 2 2024

ግብጻውያን፡ ብሞት ኮኾብ ኮሜድያን፡ ሰሚር ቓኒም፡ ሓዘኖም ይገልጹ

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ከዋኽብቲ ኮሜዲ ግብጺ ዝኾነ ሰሚር ቓኒም፡ ብምኽንያት ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣብ መበል 84 ዓመቱ ዓሪፉ።

ሰሚር፡ ካብ 1960ታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃገራት ዓረብ፡ ብናይ መድረኽ ተዋስኦ፡ ተኸታታሊ ናይ ተሌቪዥን ድራማታትን ፊልምታትን ዓቢ ዝና ዝረኸበ ተዋሳኣይ እዩ ኔሩ።

ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ዝጸንሐ ቓኒም ብሓሙስ እዩ ኣብ ከተማ ካይሮ ዓሪፉ። በዓልቲ ቤቱ ተዋሳኢት ደላል ዓብደልዓዚዝ እውን፡ ብሕማም ኮሮና ኣብ ሆስፒታል ትእለ ምህላዋ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን ኣለዋ። ኮሜድያን ሰሚር፡ ኣቦ ክልተ ኣዋልድ ኮይኑ፡ ክልቲአን ህቡባት ተዋሳእቲ፡ ምዃነን ይፍለጥ።

ምሉእ ህዝቢ ዓረብ፡ ሓደ ኮኾብ ኮሜድያን ከሲሩ ኣሎ ዝበለ፡ ሚኒስተር ባህሊ ምስሪ፡ ዒነስ ዓብደል ዳየም፡ ንልብና ብሰሓቕን ሓጎስን ዝመልኦ ዝነበረ ናይ መድረኽ ኮኾብ ደሓን ኲን ብምባል ሓዘኑ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com