Sunday , May 5 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ተመራመርቲ ዓሌት: ወለዶ ዳቪንቺ: ረኺቦም

ተመራመርቲ: ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ ድሕሪ ዘካየድዎ ዳህሳስ DNA: ወዲ 62 ኣርቲስት ሓዊስካ 14 ህያው ዓሌት ዳቪንቺ ምርካቦም ይግለጽ ኣሎ። ዳ ቪንቺ ቆልዑ ኣይወለደን: እንተኾነ ግና ኣቦኡ ፈቐድኡ 22 ቆልዑ ከም ዝወለደ ይፍለጥ። እዞም ብ ዳይረክተር ሚዝዬም ዳቪንቺን ተመራማሪን ኣሌሳንድሮ ቬዞሲ ከምኡውን ፕረሲደንት ዳቪንቺ ሄሪቴጅ ፋውንዴሽን: ኣኘዘ ሳባቶ: ብሓባር 21 ወለዶ ስድራ ዳ ቪንቺ ን 10 ዓመታት መመላእታ ከጽንዑ ጸኒሖም ይብል …

Read More »

ሓንቲ ዓለም. . .ብኣማኑኤል ሳህለ . . .ውድቀት ናይቲ ብሩህ ኮኾብ (The Fall of Lucifer)

  ኣብቲ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ንኮኾብ ጽባሕ ኣመልኪቱ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፥ “ኣየ፡ ብሩኽ ኮኾብ፡ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡….” ቀጺሉ ድማ፥ ”ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ…” ይብል።   ኮኾብ ጽባሕ ግን እንታይ ኢዩ?   ኮኾብ ድራርን ኮኾብ ጽባሕን ኪብሃል ሰሚዕኩም ትኾኑ ኢኹም። እቲ ቀዳማይ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት ኣብ ግዜ ምሸት ኢዩ ዚወጽእ፣ እቲ ካልኣይ ግን ብወገን …

Read More »

ፍርያት ኣይስክሬም፡ ንኽምለስ ተሓቲቱ

ስያ (Sia) ዝዕላመቱ ኩባንያ ኣይስክሬም፡ ብሰንኪ ኣብ ትሽዓተ ካብ ፍርያታቱ ዝተረኽበ ኢታይሊን ኦክሳይድ ዝተባህለ ቀመም፡ ካብ ዕዳጋታት ክእክብ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት ኩባንይ ስያ ኣይስክሬም፡ መጠን ናይቲ ኣብ ፍርያቱ ዝተረኽበ ቀመም ብጣዕሚ ውሑድ’ኳ እንተኾነ፡ ነቶም ናይ ለሚንን ማንጎን መቐረት ዘለዎም፡ ኣብ ናይ ሓሙሽተ ሊትሮ መትሓዚ ዝሽየጡ ፍርያቱ፡ ካብ ምፍራይ ጠጠው ኣቢልዎም ከም ዘሎ ገሊጹ። እቶም ነዚ …

Read More »

Harmony News 16/07/2021

Read More »

ኣመሪካ፡ ኣብ ጒዳይ ካሾግጂ፡ ምልምላም ኣርእያ ተባሂሉ

ቅድሚ ፕረዚደንት ምዃኑ፡ ብጒዳይ ቅትለት ኻሾግጂ፡ ንስዑዲ ዓረብ ዝዝልፍ ዝነበረን ብዛዕባ’ቲ ቅትለት ስለያዊ ጸብጻብ ክዳሎ ዝገብረን ጆ ባይደን፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብቲ ጒዳይ ምልምላም የርኢ ምህላዉ ተገሊጹ። ካብኡ ሓሊፉ ውን፡ ንሓው ናይቲ ብቕትለት ኻሾግጂ፡ ዝኸሶ ዝነበረ መሓመስ ሳልማን ዝኾነ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ኻልድ ቢን ሳልማን ቐይሕ ምንጻፍ ዘርጊሕሉ ኣሎ። ምስሊ መስፍን መሓመድ ቢን ሳልማንን ስዑዲ ዓረብን ብሓፈሻ ዳግማይ ንምሕዳስ ኣብ …

Read More »

ቅልውላው ሊባኖስ መሊሱ ይጋደድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ዝመዘዞ ሳዓድ ሓሪሪ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ብዘይምኽኣሉ ቅልውላው እታ ሃገር መመሊሱ ይጋደድ ምህላዉ ተገሊጹ። ሓሪሪ፡ ምስ ፕረሲደንት ሚሸል ዖን፡ ብዛዕባ ስልጣን ካቢነ ክሰማማዕ ዘይምኽኣሉ ሓደ ካብ ጠንቂ እዚ ቅልውላው እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ቤይሩት ዝሓለፈ ነሓሰ ብዘጋጠመን 200 ሰባት ዝቐትለን ሓያል ነትጒ ሽዕ ዝነበረ መንግስቲ ብፍቓዱ ስልጣን ምሕዳጉ ዝዝከር እዩ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ቊጠባዊ ቅልውላው ሊባኖስ፡ እናተጋደደ ምምጻኡ’ውን …

Read More »

ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኣብ ዝኽተብሉ እዋንን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታትን

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ካብ ዕለት 19 ነሓሰ ጀሚረን፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ን 17 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት፡ ክኸትባ ክጅምራ ምዃነን መደብ ሒዘን እኳ እንተሃለዋ፡ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ትሕቲ ዕድመ ብምዃኖም፡ ንክኽተቡ ናይ ወለዶም ፍቓድ ከድልይ ድዩ ወይስ ባዕላቶም ክውስኑ ይኽእሉ ንዝብል ምጉት፡ መዕለቢ ክረኽባሉ ይግባእ ክብል ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ እዘን ምምሕዳራት፡ ዝተፈላለየ …

Read More »

ኣመሪካን ጀርመንን ንተጻብኦ ሩስያ ብሓባር ክምክታ ተሰማሚዐን

ቻንስለር ጀርመን፡ ኣንገላ መርከል፡ ንዋሺንግተን ኣብ እትበጽሓሉ ዘላ እዋን፡ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ክልቲአን ሃገራት ንተጻብኦ ሩስያ ብሓባር ክምክታ እየን ምባሉ ተገሊጹ። ኣንገላ መርከል ብወገና፡ ሩስያ፡ ነቲ ካብ ሞስኮ ናብ ጀርመን ዝዝርጋሕ ምንጪ ጸዓት ጋዝ፡ ከም መሳርሒ ኲናት ክትጥቀመሉ ክንፈቅድ የብልናን ክትብል ገሊጻ’ላ። ብዘይካ’ዚ፡ ክልቲአን ሃገራት፡ ንዘይ ዲሞክራስያዊ ተግባራት ቻይና ከም ዝዂንና ገሊጸን ኣለዋ። “ብወገን ምብራቕ ዝርከብ መሻርኽትና ክንፊ ኔቶ ካብ …

Read More »

ሃንጋሪ፡ ናብ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት ትሰጋገር

ሃንጋሪ፡ ካብ ዕለት 01 ነሓሰ፡ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት ክትጅምር ምዃናን ሰራሕተኛታት ጥዕና ድማ ብግዴታ ክኽተቡ ምዃኖም ብመንገዲ ሚኒስተር ጥዕና፡ ቪክቶር ኦርባን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት፡ እንታይ ዓይነት ብልቃጥ ክታበት ክትጥቀም ከምዝኾነት፡ ብክኢላታት ጥዕና ዝውሰን እዩ ክብል፡ ኦርባን፡ ሓቢሩ። ሃገረ ሃንጋሪ፡ 10 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ ቅልጡፍ መስርሕ ክታበት ካብ ዝኽተላ ሃገራት ኤውሮጳ እያ። …

Read More »

ብሰንኪ ዕልቕልቕ፡ ኣብ ጀርመን፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕልቕልቕ ብምኽሳቱ፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣማኢት ደሃዮም ከም ዘይተፈልጠን ተገሊጹ። ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ መሊኦም ዝፈሰሱ ወሓይዝ ነቲ ከባቢ ዓብዪ ዕንወት ኣስዒቦምሉ ኣለዉ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ጀርመን፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣውራጃታት ራይንላንድ-ፓላቲነትን ራይን-ዋስትፋልያን ብብርቱዕ ተሃስየን ከምዘለዋ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ገሊጹ። ኣብ በልጁም፡ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ዕልቕልቕ፡ ብውሕዱ 12 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com