Thursday , May 2 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሞሮኮ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19፡ ተረርቲ ሕጊታት ተተኣታቱ

ኣብ ሞሮኮ፡ ብሰንኪ እተኸስተ ሰፊሕ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብታ ሃገር ሕላፍ ሰዓት ሓዊስካ ተረርቲ ሕጊታት ከም እተኣታተዉ ተገሊጹ። እዚ ናይ ሰዓት እቶ እቶ ፕሮግራም፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ዝፈነዎ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ኣነጺሩ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ነቶም ምሉእ ክታበት ዝወሰዱን ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ዘለዎምን ገዲፍካ ኣብ ከተማታት ማረከሽ፡ ካዛብላንካን ኣቓዲርን ምንቅስቓስ ክእገድ እዩ ክብል …

Read More »

ጀርመን፡ ኣብ እዋን ተቓውሞ ኮሮና፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ በርሊን፡ ጀርመን፡ ኣብ ዝተኻየደ ኣንጻር ክታበት ዝዓለመ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ናዕቢ፡ 600 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ሓደ ወዲ 49 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ድማ ከምዝሞተን AP ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ኣብ ኢዱን ኣፍልቡን ስኽፍክፍ ዝብል ስምዒት ይስመዖ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ክሳብ ኣምቡላንስ እትመጽእ፡ ፖሊስ፡ ቀዳማይ …

Read More »

ትምህርቲ ምዝዋር መኪና፡ ብጸሊም ዝሰርሑ፡ ደው ክብሉ ኣለዎም ተባህሉ

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ትምህርቲ ምዝዋር መኪና፡ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓደ መምህር፡ ካብቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝስራሓሉ ዘሎ፡ ን15 ተማሃሮ ምስትምሃር ተሪፉ፡ እንተበዝሐ 5 ተማሃሮ ጥራይ ከስተምህር እዩ። ሓደ ተማሃራይ፡ መምርሒ ፍቓድ መኪና B  ንምርካብ ዝመሃረለን መካይን፡ ዋንነተን ናይ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ወይ ወግዓዊ ቤት ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ወይ ድማ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት …

Read More »

ቀዳመይቲ ጉጅለ ኣፍጋኒስታናውያን ቶርጎምቲ፡ ናብ ኣመሪካ ኣትዮም

ካብቶም ንሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣስተርጐምቲ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን፡ እቶም 200 ዝኾኑ፡ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ከም እተገብረ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ቅድሚ ናብቲ ተዳልዩሎም ዘሎ መዐረፊ ምኻዶም፡ ናይ ጥዕና መርመራታት ድሕሪ ምግባር ክኽተቡ እዮም ተባሂሉ። እዞም ተርጐምቲ፡ ናብ ኣመሪካ ክመጹ ዝተገብረ፡ ጣሊባን ኣብ ልዕሊኦም ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጒምቲ ከይወስድ ተባሂሉ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ …

Read More »

ፕረዚደንት ቱኒዝያ፡ ሕጊ ክስዕብ እየ ክብል ቃል ይኣቱ

ፕረዚደንት ቱርኒዝ፡ ቐይስ ሰዒድ፡ ንቅዋም እታ ሃገር ክኽተል ምዃኑን ንናጽነት’ታ ሃገር ክከላኸል ምዃኑን ንህዝቢ ቱኒዝያ ቃል ኣትይሉ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ቐይስ፡ ንናይ ቀደም ናይ ጸጥታ ኣማኻሪ፡ ሪዳ ጋርሳላዊ፡ ከም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክኸውን፡ ብሓሙስ ከም ዝመዘዘ ተፈሊጡ። ኣብ ምጅማር እዚ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ቱኒዝያ፡ ንቀዳማይ ሚኒትሰር ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ሰብ መዚ ካብ ስልጣን ምብራሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ …

Read More »

ቻይና፡ ንማዕከን ቢቢሲ፡ ናይ ሓሶት ዜና ሰኒዓ ብምባል ትኸስስ

ቢቢሲ፡ ኣብ ኣውራጃ ሄናን ዕልቕልቕ ተኸሲቱ ብዝብል ናይ ሓሶት ዜናን ምድንጋርን ፈጢሩ ክትብል ቻይና ከሲሳ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣፈኛ ጒዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ዣው ሊጅያን፡ ቢቢሲ ካብ ስነምግባር ጋዜጠኝነት ወጻኢ ናይ ሓሶት ዜናታት ብምስራሕ ንቻይና ጸለሎ ይቐብኣ ኣሎ” ኢሉ። ሊግ መንእሰያት ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ኣብታ ኣውራጃ፡ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ናይ ጒዕዞ እገዳ ክግበረሎም ጻውዒት ጌሩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ከተማ ዤንግዡ፡ …

Read More »

ስዑዲ ዓረብ፡ ንዝተኸትቡ ገያሾ ማዕጾኣ ትኸፍት

ስዑዲ ዓረብ፡ ን17 ኣዋርሕ ተዓጽያ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝተኸትቡ ናይ ወጻኢ በጻሕቲ ክኣትዉ ምፍቃዳ ኣገልግሎት ዜና መንግስቲ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣቲኻ ብዘይ ውሸባ ናብ ዝደለኻዮ ንኽትከይድ በተን መንግስቲ እታ ሃገር ሕጋዊ ፍቓድ ዝሃበን ክታበታት ማለት ፋይዘር ባዮቴክ፡ ኣስትራዜነካ፡ ሞደርና ወይ ጃንሰን ከም እተኸተብካ ምርግጋጽ ከድሊ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ እዞም በጻሕቲ ቅድሚ 72 ሰዓታት ካብ ሕማም …

Read More »

Harmony Media News 30/07/2021

Read More »

ኣውስትራልያ፡ ዕጽዋ ዘኽብር ሰራዊት ተዋፍር

ኣብ ከተማ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ፡ ዕጽዋ ንኽኽበር ኣማኢት ሰራዊት ተዋፊሮም ምህላዎም ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብዝተኸስተ፡ ደልታ ዝተባህለ ጅር ኮቪድ፡ 3000 ሰባት ከም እተለኽፉን 9 ድማ ከም ዝሞቱን ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ። ሰራዊት ኣውስትራልያ፡ ኣብታ ሃገር ብዘይዕጥቂ ኣጽዋር ዝካየድ ምቊጽጻር ሕጊታት ኮቪድ ንምክያድ ቀዳመ ሰንበት ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ ሰኑይ ክዋፈሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ምውፋር ሰራዊት፡ ኣድላዪ …

Read More »

ቻይና፡ ድሕሪ ዉሃን ዝኸፍአ መልከፍቲ ኮሮና የጋጥማ

ብ 20 ሓምለ፡ ኣብ ከተማ ናንዢንግ፡ ከም እተኸስተ ዝንገረሉ ለበዳ ኮሮና ናብ ሓሙሽተ ኣውራጃታት ምልባዑ ይግለጽ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። በዚ ለበዳ፡ ዛጊት ኣስታት 200 ሰባት ምልባዶም ማዕከናት ዜና ቻይና ገሊጸን ኣለዋ። ኲሉ ካብ ናንዢንግ ዝብገስ ኣገልግሎት በረራ፡ ክሳብ 11 ነሓሰ፡ ጠጠው ክብል ምዃኑ ግሎባል ታይምስ ንሓደ ምንጪ ብምጥቃስ ሓቢሩ’ሎ። ሰብመዚ እውን ኣብ መላእ ከተማ መርመራ እኳ እንተጀመሩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com