Saturday , April 27 2024
Former Afghan interpreters hold placards during a demonstrations against the US government, in front of the US Embassy in Kabul, Afghanistan, Friday, June 25, 2021. (AP Photo/Mariam Zuhaib) XMZ106

ቀዳመይቲ ጉጅለ ኣፍጋኒስታናውያን ቶርጎምቲ፡ ናብ ኣመሪካ ኣትዮም

ካብቶም ንሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣስተርጐምቲ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን፡ እቶም 200 ዝኾኑ፡ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ከም እተገብረ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ቅድሚ ናብቲ ተዳልዩሎም ዘሎ መዐረፊ ምኻዶም፡ ናይ ጥዕና መርመራታት ድሕሪ ምግባር ክኽተቡ እዮም ተባሂሉ። እዞም ተርጐምቲ፡ ናብ ኣመሪካ ክመጹ ዝተገብረ፡ ጣሊባን ኣብ ልዕሊኦም ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጒምቲ ከይወስድ ተባሂሉ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ምስ ጠቕላላ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን እዚ ምግዓዝ ተርጐምቲ ይሳለጥ ምህላዉ ተመልኪቱ።

ሎሚ፡ ነቶም ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ምስ ወተሃደራት ኣመሪካን ዲፕሎማሰኛታትን ብትርጉም ብምትሕብባር ኣገልግሎት ዝህቡና ዝነበሩ ኣሽሓት ኣፍጋኒስታናውያን፡ ናብ ኣመሪካ ክንወስድ ዝኣተናዮ ቃል ዝሓለናላ ታሪኻዊት መዓልቲ እያ” ክብል፡ ጆ ባይደን፡ ገሊጹ።

ዛጊት ብጠቕላላ 50 ሽሕ ሰባት ካብ ኣፍጋኒስታን ጎዒዞም ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com