Saturday , May 18 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣብ ሽወደን፡ መጠን መልከፍቲ ብሓድሽ ጅር ኮሮና፡ እናዓበየ ምምጽኡ ተገሊጹ

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት፡ ምስፍሕፋሕ ደልታ ጅር ኮሮና፡ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ንጸብጻባት በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ መበል 26 ሰሙን ናይ ዓመተ 2021፡ ብዝሒ ናይቶም ብደልታ ዝተባህለ ሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት እናዓበየ ምምጽኡን፡ ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ብቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት እቶም 60% በዚ ሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ደልታ፡ ዝተለኽፉ ኮይኖም እቶም 30% ድማ …

Read More »

News Magazine 15-07-2021

Read More »

ኲባ፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ቀረጽ መግቢን መድሃኒትን ኣልዒላ

ኣብ ኲባ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ መንግስቲ፡ ኣብ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ኣገዳስቲ ጥረ ነገራትን ግዜያዊ ምልዓል ቀረጽ ምእዋጁ ተገሊጹ። ክሳብ ምውዳእ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ኣብዞም ካብ ደገ ዝኣትዉ ኣቕሑ ዝግበር ዝኾነ ናይ መንግስቲ ምትእትታው ከም ዘይህሉ ተመልኪቱ’ሎ። ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኲባ ንኣታሕዛ መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ኮቪድ-19፡ ከምኡ ውን ሕጽረት መድሃኒትን መግቢን ኣመልኪቶም፡ ኣሽሓት ሰባት ዝተሳተፍዎ ህዝባዊ ናዕቢ ከም እተኻየደ …

Read More »

ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ፡ መጥቃዕቲ ከተካይድ ምዃና ኣዊጃ

ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ፡ ናብ ጐረቤቶም ክልል ትግራይ፡ መጥቃዕቲ ከካይዱ ምዃኖም ይገልጹ ኣለዉ ክብል ቢቢሲ ገሊጹ። ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ንዝበዝሐ ክፋል ትግራይ ምቊጽጻሩን ሓይልታት ፌደራልን መሻርኽቶም ሓይልታትን ካብ ርእሰ ከተማን ካልኦት ኣገደስቲ ቦታታት ትግራይን ምውጽኦም ዝዝከር እዩ። ኣፈኛ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትዕግስትና ወዲእና ኣለና፡ ሕጂ ናብ ምጥቃዕ ክንሰጋገር ኢና ምባሉ ተጠቒሱ። ጡረታ ዝወጹ ኣባላት ሰራዊትን ሚሊሻን …

Read More »

ብሰንኪ ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ጋዜጣ The Witness፡ ሕትመት ኣቋሪጻ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ The Witness፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ፡ ንኻልኣይ መዓልታ ካብ ሕትመት ወጻኢ ከም ዝኾነት ተገሊጹ። ብሰንኪ እዚ ዕግርግር፡ ናይ ሎም ሓሙስ ሕትመት እታ ጋዜጣ ብኦንላይን ክዝርጋሕ ምዃኑ ዝገለጸት እታ ጋዜጣ፡ ክሳብ ቀጻሊ ምልክታ እተውጽእ ካብ ሕትመት ደው ምባላ ወሲኻ ሓቢራ። መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ናዕቢን ዝምታን ንምዕጋት ክሳብ 25 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ከዋፍር …

Read More »

ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካ ኣፍጋኒስታናውያን ተማሊኣ ትወጽእ ኣላ

ኣመሪካ፡ ነቶም ንሓይልታት ኣመሪካን ኔቶን ከም ተርጎምቲ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣፍጋኒስታናውያን ካብታ ሃገር ከተውጽኦም እያ ተባሂሉ። እዞም ተርጎምቲ፡ ድሕሪ ምውጻእ ሓይልታት ወጻኢ፡ ኣብ ሓደጋ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ብዝብል እዮም ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ዝግበር ዘሎ። “እዚኣቶም ተባዓት ሰባት እዮም። ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት፡ ንሓይልታትና ናይ ምትርጓም ኣገልግሎት ክህቡና ዝጸንሑ ብምዃኖም፡ ንዝሃብዎ ኣገልግሎት፡ ኣፍልጦ ከም እንህብ ክንገልጸሎም ኣሎና” ክትብል ኣፈኛ ዋይትሃውስ፡ ጄን …

Read More »

ሩዋንዳ፡ ብልዑል ስግኣት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ዕጽዋ ኣዊጃ

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር እናበዝሐ ዝመጸ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ፡ ኪጋሊ፡ ናይ 10 መዓልታት ዕጽዋ ክጸንዕ ኣዊጁ ክብል ቢቢሲ ገሊጹ። ነበርቲ ኪጋሊ፡ ካብ ዝመጽእ ቀዳም ጀሚሮም ክሳብ 26 ሓምለ ካብ ቤቶም ክይወጹ ተኣዚዞም ኣለዉ። ብዘይካ’ዚ ናይ ንግዲ ቦታታት፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን መጓዓዝያን ሓዊስካ ንጥፈታት ምዝንጋዕ ስፖርትን ኣብያተ ትምህርቲን ደው ክብሉ እዮም። ካብ 15 ሰባት ንላዕሊ፡ ኣብ ናይ ቀብሪ …

Read More »

ንገበነኛታት ዝምልከት ሓድሽ እማመ ቀሪቡ

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ብሕጋዊ ይኹን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ፡ ኣብዚ ሃገር ዝነብሩ ወጻእተኛታት ዝፍጽምዎ ገበናዊ ንጥፈታት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየ ብምምጽኡ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሃዋህዉ ሽወደን፡ ኣካታዒ ሕቶ ብምዃን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ብሽወደናዉያን ዜጋታት ዘይኮኑ ሰባት ዝካየድ ገበናዊ ንጥፈታት ንምዉጋድ፡ ብደረጃ መስርሕ ሕጊ፡ ንገበናዊ ንጥፈታት፡ ከም መምርሒ ሂወት ዝገበሩ ሰባት፡ ብናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ጥራይ፡ ካብ ሃገር ክጥረዙ ዘኽእል ስልጣን፡ …

Read More »

ኣሽሓት ፈረንሳውያን፡ ኣንጻር ቅጥዕታት ክታበት፡ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ገይሮም

ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ ሃገረ ፈረንሳ፡ ኣስታት 19 ሽሕ ፈረንሳውያን፡ ኣንጻር እቲ ብትማሊ ረቡዕ ዝወጸ ሓድሽ ቅጥዕታት ክታበት፡ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ገይሮም ከምዝወዓሉ AFP ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ካብ ዕለት 15 መስከረም ጀሚሮም፡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ፈረንሳ፡ ጸረ ኮቪድ-19 ተኸቲቦም ናብ ስርሖም ክመጹ ከምዝግደዱን እንተዘይኮይኑ ግን ንስራሕ ንኸይመጹን ንዘይሰርሕዎ መዓልታት ድማ ከምዘይክፈሉን ክብል ሚኒስተር ጥዕና ፈረንሳ፡ ኦሊቨር ቨራን፡ ኣብ …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ውን ክእሰሩ ኣለዎም ይብል

ዓቃባዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ገበነኛታት፡ ጽኑዕ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ከይተረፉ፡ ክእሰሩ ይግባእ ክብል ወሃብ ቃል ሕጋዊ ጉዳያት ናይቲ ሰልፊ፡ ዮሃን ፎርሰል፡ ንጋዜጣ ዳገንስ ደባት፡ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ድሕሪ’ቲ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡  ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ንሓደ ፖሊስ ከምዝቐተለ ብጥርጣረ ምትሓዙ እዩ። ሰልፊ ሞደራትና፡ ናእሽቱ መንእሰያት ንኽእሰሩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com