Friday , May 3 2024
Striking workers gather outside the French pharmaceutical company Sanofi headquarters in Marcy l'Etoile, central France, (AP Photo/Laurent Cipriani) LYO103

ኣሽሓት ፈረንሳውያን፡ ኣንጻር ቅጥዕታት ክታበት፡ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ገይሮም

ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ ሃገረ ፈረንሳ፡ ኣስታት 19 ሽሕ ፈረንሳውያን፡ ኣንጻር እቲ ብትማሊ ረቡዕ ዝወጸ ሓድሽ ቅጥዕታት ክታበት፡ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ገይሮም ከምዝወዓሉ AFP ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ካብ ዕለት 15 መስከረም ጀሚሮም፡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ፈረንሳ፡ ጸረ ኮቪድ-19 ተኸቲቦም ናብ ስርሖም ክመጹ ከምዝግደዱን እንተዘይኮይኑ ግን ንስራሕ ንኸይመጹን ንዘይሰርሕዎ መዓልታት ድማ ከምዘይክፈሉን ክብል ሚኒስተር ጥዕና ፈረንሳ፡ ኦሊቨር ቨራን፡ ኣብ ምጅማር ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ፓሪስ፡ ቦርዶ፡ ስታርስቦርግን ሊዮንን ብዙሓት ሰባት በዚ ዝወጸ መግለጺ፡ ዘይዕጋብነቶም ክገልጹ ከምዝተራእዩ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓደ ርእይቶ ህዝቢ ዝእክብ ትካል፡ ዝበዝሑ ፈረንሳውያን ንቅጥዕታት ክታበት ከምዝድግፉ እኳ እንተገለጹ፡ ገለ ሰባት ግን፡ ናጽነትና ዝድርት እዩ፡ ክብሉ ይስምዑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢለን፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና፡ ተመሳሳሊ ቅጥዕታት ክታበት፡ ዘተኣታተዋ ሃገራት፡ ዓዲ ጥልያንን ግሪኽን ምንባረን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com