Saturday , May 18 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣሉታዊ ጽልዋታት ድሕረ ክታበት ኮቪድ-19

ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት፡ ጽልዋታት ድሕረ ክታበት ኮቪድ-19 ኣጋጢምዎም ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታት ኣሎ ክብል በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት ሽወደን ንሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ልዕሊ 70% ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን፡ እንተወሓደ፡ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ዝተኸትቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ 5.8 ሚልዮን እዩ። ካብዞም ዝተኸትቡ ሰባት፡ 55 ሽሕ፡ ጽልዋታት ድሕረ ክታበት ክረኣዮም እንከሎ፡ ካብዚኣቶም …

Read More »

ዳምቤሪ፡ ጭካነ ዝመለኦ ተግባር እዩ ክብል ንፍጻሜ ቶኽሲ ኮኒንዎ

እቲ ብቀዳም ምሸት፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሁዲንየ፡ ከባቢ ፍለሚንስቤሪ፡ ዘጋጠመ ገበናዊ ፍጻሜ ቶኽሲ፡ ኣብቲ ንጹሃን ህጻናት ዝጻወትሉን ዝንቀሳቐስሉን ኣከባቢ ብምፍጻሙ፡ ዘይሓላፍነታውን ጨካንን ተግባር እዩ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚኪኤል ዳምቤሪ፡ ድሕሪ’ቲ ሓደ ኣብ መዋእለ ህጻናትን ሓደ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ክልተ ናእሽቱ ህጻናት፡ ግዳይ ዝኾንዎ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ፍጻሜ፡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነይሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓሳባትናን …

Read More »

ኣብ ሰኔጋል፡ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣጋጢሙ

ኣብ ሃገረ ሰኔጋል፡ ንመጀምርታ ግዜ 738 ሰባት ብኮሮና ከም ዝተለኽፉን እዚ ድማ ዝለዓለ  መጠን መልከፍቲ ኮሮና ከምዝኾነ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ንጹር ክኸውን ደልየዮ ዘለኹ፡ እዚ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናወሰኸ እንተድኣ ቀጺሉ፡ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ክእወጅ ከምዝኽእልን፡ ዶባት ሃገረ ሰነጋል ክዕጸውን ማሕበራዊ ዕጽዋ ክካየድ ከምዝኽእልን ፕረዚደንት’ታ ሃገር፡ ማርኪ ሳል፡ ኣብ ተሌቪዥን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ። ኣብ ሃገረ ሰኔጋል፡ …

Read More »

ህንዳዊ ሳኣላይ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተቐቲሉ

ተሸላሚ ፑሊትዘር ዝኾነ ህንዳዊ፡ ደኒሽ ሲዲቂ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም እተቐትለ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ገሊጹ። ወዲ 41 ዓለት ደኒሽ ንዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ሰኣላይ ሮይተርስ ምንባሩ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዜናዊ ስእሊታት ከዳሉ ኣብ ተልእኾ እናህለወ ምሟቱ ኣረጋጊጹ። ንሱ ጥቓ ዶብ ፓኪስታን ኣብ እትርከብ ዓዲ ብጒጅለ ጣሊባን ብዝተገብረ ድብያ እዩ ተቐቲሉ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ክንደይ ካልኦት ሰባት ምሟቶም ኣይተሓበረን። ኣብ ሙምባይ …

Read More »

ህንዳዊት ተዋሳኢት ሹሬካ ሲክሪ ዓሪፋ

ናይ ፊልምን መድረኽን ኮኾብ ተዋሳኢት ህንዲ፡ ሹረካ ሲክሪ፡ ኣብ መበል 75 ዓመታ ትማሊ ዓሪፋ። ንሳ፡ ሓንቲ ካብቶም “ቶፕ ክላስ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ተዋሳእቲ እያ ኔራ። ከምኒ Badhaai Ho ከምኡውን Balika Vedhu ኣብ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ስርሓት ብምውሳእ ዓብዪ ዝና ዝረኸበት ሲክሪ ብሕማም ልቢ ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ከተማ ሙምባህ ዓሪፋ’ላ። ሲክሪ ኣብ ናይ ተዋስኦ ህይወታ ካብ 1988-2018 ጥራይ ሰለስተ ሽልማታት ፊልም ሓፊሳ …

Read More »

ጆሺ ዝተሰምየ ጎሪላ ሓድሽ ህይወት ይጅምር

13 ዝዕድሜኡን መላእ ህይወቱ ኣብ ፓርክ ሳፋሪ ብሪጣንያ ዘሕለፈን፡ ጆሺ፡ ሓድሽ ህይወት ንኽጅምር ናብ ጫካታት ኮንጎ ብራዛቪል ከም እተፈነወ ተገሊጹ። ጆሺ ህድእ ዝበለ ባህርያት ስለዘለዎ ነዚ ሓድሽ ህይወት ከም እተሓርየ ድማ ተገሊጹ። ኣብ ጫካ ምንባር ቀሊል ብዘይምዃኑ ኣብ ጫካ ብዝተወልዱ ክልተ ጎሪላ ስልጠና ይውሃቦ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እዞም ክልተ ጎሪላ ኣዲኦም ብሃደንቲ ምስ ተቐትለት ዘኽቲሞም እዮም ዓብዮም። ህድእ …

Read More »

ኡጋንዳዊ ኣትለት: ኣብ ጃፓን: ደሃዩ ጠፊኡ

20 ዓመት ዝዕድሜኡ ኡጋንዳዊ ሰፍሳፋይ ልዑል ክብደት: ጁልዬስ ስሴኪቶሌኮ: ኣብ ጃፓን ደሃዩ ከም ዘጥፍአ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ መፋርቕ ሰነ ናብ ጃፓን እኳ እንተኣተወ ኣብ መርመራ ኮቪድ-19 ከም ዘይተራእየን ደሃዩ ከም ዘይተረኽበን The New York Times ሓቢሩ። ኣዕሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ባዶ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎን ንሰብመዚ ሓቢሮም ምህላዎም እውን ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ኣትሌት: ንዓዱ ክምለስ ከም ዘይደሊ ኣብ ሆቴሉ ኣብ ዝገደፎ ወረቐት …

Read More »

ህንዳውያን: ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ናይ ምዝራብ ልማዲ: የብሎምን ተባሂሉ

ዝበዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ህንዲ: ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ጾታ ፕሮግራም: ከም ዘይብለንን እዚ ጒዳይ ኣብ ወለዲ እውን ከም ዘይዝረበሉ ኣስልጣኒት ጒዳያት ጾታዊ ርክብ: ፓላቪ ባርንዌል: ምስ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ዝገብረቶ ጻንሒት ገሊጻ። ኣብ ጭው ዝበለ ዓቃባዊ ስድራቤት ዝዓበየት ፓላቪ: እዚ ባህሊ: ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክትመራመርን መወዳእትኡ በዓልቲ ሞያ እዚ ስነፍልጠት ክትከውን ከም ዝደረኻን ትገልጽ። ኣዲኣ: ኣብ ፈለማ ዓመታት ሓዳራ ምስ ካልእ …

Read More »

ብሪጣንያ: እገዳ ስኒ ሓርማዝ: ንጉማረን ካልኦት እንስሳታትን ከጠቓልል እዩ

መንግስቲ ብሪጣንያ ህይወት ሓራምዝ ንምዕቃብ ኣብ ስኒ ሓርማዝ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳ: ንዓሳ ነባሪ: ጒማረን ዋልሩስን ከም ዘጠቃልል ተገሊጹ። ተጣበቕቲ ዕቀባ እንስሳ: ነዚ ኣዋጅ ብዓብዪ ሓጎስ ከም ዝቕበልዎ ድሕሪ ምሕባር: እዚ ውሳነ ናብ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ክድርኽ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ኣለዉ። ህይወት ኣራዊት ንምዕቃብ ተወሳኺ በጀት መዲቡ ከም ዝንቀሳቐስ ቦሪስ ጆንሰን ክገልጽ ምጽንሑ ጸብጻብ ቢቢሲ ዘኪሩ። እቲ ኣብ 2018 …

Read More »

ሕማም ረሲዕ (Alzheimer’s) ካብ ኣዛውራ መኪናኻ ክፍለጥ ይከኣል እዩ ተባሂሉ

ኣዛውራ መኪና ሰባት ምስ ዕድመ ዝቀያየር እኳ እንተኾነ ናይ ገለ ሰባት ምቅይያር ግና ምስ ፍልማዊ ደረጃታት ሕማም ረሲዕ (Alzeimer’s Disease) ዝተሓሓዝ ምዃኑ: ሓንቲ ተመራማሪት ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ኣጣሊላ። እዞም ናይ ኣዛውራ ፍልልያት ብ GPS ዝተሰነየ ሓበሬታ ብደቂቕ ክምዝገቡ ምጽንሖም ዝገለጸ እቲ ምርምር: ኣብ ሚዙሪ (ኣመሪካ) ዝርከቡ ልዕሊ 65 ዝዕድሜኦም ጒጅለ ነዚ ፍቓደኛታት ኮይኖም ከም እተረኽቡ ኣመልኪቱ። ዕላማ እቶም ተመራመርቲ ንኣገባብ ኣዛውራ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com