Saturday , May 18 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ትግራይ፡ ቃፍላያት መካይን ረድኤት ተጠቒዐን

ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን፡ ናብ ትግራይ ዘምርሓ ዝነበራ ቃፍላይ ዓበይቲ መካይን፡ ናብቲ ክልል ከይበጽሓ መጥቃዕቲ ከም ዝወረደን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ትግራይ ክሳለጥ ዘሎ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ተወሳኺ ሽግራት ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ’ሎ። 10 ረድኤት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን፡ ኣብ ዶብ ትግራይ ዓፋርን መጥቃዕቲ በጺሕወን ኣሎ ክብል፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ትግራይ ንሽሞንተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት፡ ኣብዚ እዋን …

Read More »

ካቲ ሃፕኪንስ፡ ካብ ኣውስትራልያ ተሰጒጋ

ብሪጣንያዊት ሕልፍቲ የማናዊት ኮመንታተር፡ ካቲ ሃፕኪንስ፡ ሕጊ ውሸባ ሆቴል ምጥሓሳ፡ ብጃህራ ክትዛረብ ስለ እተሰምዐት ካብ ሃገረ ኦስትራልያ ክትስጎጒ ከም እተገብረት ተገሊጹ። ዓሌታዊ ዘረባታት ብምውጻእ ብዙሕ ተቓውሞ ዝቐርበላ፡ ካቲ ሃፕኪንስ፡ ነቲ ቢግ ብራዘር ኣውስትራልያ ዝተባህለ ፕሮግራም ንምጅማር እያ ናብ ኣውስትራልያ ኣትያ። ንሳ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ካብ ሆቴላ ብቐጥታ ኣብ ዝመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ንጥብቂ ሕጊ ውሸባ ሆቴል እታ ሃገር “ብምሽክዓ” ብሓበን ክትገልጽ ከም እተሰምዐትን …

Read More »

ኬንያ፡ ናይ ነዳዲ ገንኢ ብምፍንጃሩ፡ 30 ሰባት ሞይቶም

ኣብታ ካብ ናይሮቢ ብሸነኽ ሰሜን ምዕራብ 200 ማይል ርሒቓ እትርከብ ማላንጋ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ገንኢ፡ 30 ሰባት ከም ዝሞቱን 20 ዝኾኑ ድማ ከቢድ ኣካላዊ ቃጸሎ ከም ዘጓነፎም ተገሊጹ። እቲ ገንኢ ምስ ተገምጠለ፡ ሰባት ነቲ ዝልሕዂ ዝነበረ ነዳዲ ክርእዩ እክብ ምስ በሉ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት እቲ ባርዕ ከም እተኸስተ ተገሊጹ። ብርቱዕ ነትጒ ሰሚዕና ካብ ድቃስና ምስ ተበራበርና ዓብዪ ባርዕ ንሰማይ ክዓርግ ርእየ” ይብል …

Read More »

Harmony News 19-07-2021

Read More »

ኢትዮጵያ፡ ሚድያታት ወጻኢ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ዝብል ኣጸዋውዓ ከይጥቀማ ኣጠንቂቓ

ሚድያታት ወጻኢ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝብል ኣጸዋውዓ ምጥቃም እንተቐጺለን፡ ጽንክር ዝበለ ስጒምቲ ክውሰደለን ከም ዝኽእል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ። በዓል መዚ ፈነወታት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ፡ ተቓለስቲ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ (TDF) እናበልካ ምጽዋዕ፡ ንጸጥታ ኢትዮጵያ ዝፈታትን እዩ ኢሉ። ትግራይ ኣካል ፈደረሽን ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ነቲ ምንቅስቓስ TDF እናበልካ ምጽዋዕ ንሉኣላውነት ኢትዮጵያ ምግሃስ እዩ ዝኸውን ክብል ወሲኹ ኣጠንቂቑ። መንግስቲ …

Read More »

ምልክታት ሕማም ሃቫና ሲንድሮም፡ ኣብ ቪየና ተራእዩ

ኣመሪካ፡ ነቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ኦስትሪያ፡ ቪየና፡ ዝቕመጡ ዲፕሎማሰኛታታ ምስ ሕማም ሃቫና ሲንድሮም፡ ዝመሳሰል ምልክታት ከም ዝረኸበትሎምን ነቲ ኲነታት ብዕቱብ ትምርምሮ ምህላዋን ገሊጻ ክብል ማዕክነ ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሕማም፡ ንመጀርመርያ ግዜ ኣብ ዓመተ 2016፡ ኣብቶም ኣብ ሃገረ ኩባ ዝነበሩ ኣሜሪካውያን  ዲፕሎማሰኛታት ከምዝተራእየ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ከምኒ መርዘንን ምድንዛዝን ዘኸትል ኮይኑ፡ ብርትዕ እንክብል ድማ፡ ቀዋሚ ምዕናው ኣእምሮ ከም ዘስዕብ ኣረዲኡ። …

Read More »

መስርሕ ፍርዲ ጃኮብ ዙማ፡ ይቕጽል

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከቢድ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ መጋባእያ ዝጸንሐ ክሲ ብልሽውና፡ ጃኮብ ዙማ፡ ክቕጽል ከም እተገብረ ተገሊጹ። ዙማ፡ ንክብሪ ቤትፍርዲ ብምድፋሩ ተኣሲሩ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ዙማ፡ ኣብ 1999 ኣብ ዝተኻየደ ዓብዪ ውዕል ኣጽዋር ብዝተሓሓዝ ብልሽውና ከም ዝፈጸመ እዩ ዝኽሰስ። ሽዑ ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ፡ ዙማ፡ ካብ ፈረንሳዊት ኲባንያ፡ ቴለስ፡ ጉቦ ተቐቢልካ …

Read More »

ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዝለዓለ መጠን ክታበት ኣመዝጊበን

መጠን ክትባት ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምስቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝለዓለ ብምዃኑ ሓለፍቲ እቲ ሕብረት ሓጎሶም ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ከምቲ ዝተመባጻዕናዮ፡ ኣተግቢርናዮ ኣለና። ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምቕዳም፡ ዝበዝሐ መጠን ቀዳማይ እብረ ክታበት ዘካየደት ኣህጉር ክትከውን ከምዝኸኣለት ክብል፡ ክታበት ንምውሓስ ዝተሮቕሐት ሓይሊ ዕማም ዝመርሕ ዘሎ ኮሚሽነር ውሽጣዊ ዕድጊ እቲ ሕብረት፡ …

Read More »

ዝበዝሑ እንግሊዛውያን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ተኸቲቦም

ዳርጋ ኩሎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ እንግሊዛውያን፡ እንተወሓደ፡ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡ ሚኒስተር ጥዕና እንግሊዝ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ኣቐዲሙ ዝተሓንጸጸ መደብ፡ ቅድሚ እቲ ንሎሚ ሰኑይ ክለዓል ተወጢኑ ዘሎ ቀይድታት ኮሮና፡ ዕላምኡ ምህራሙ ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ፡ 87.8% ካብ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ እንግሊዛውያን፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ …

Read More »

ብዙሓት ሽወደናውያን፡ ዜግነት ኖርወይ ይሓቱ

ብዝሒ ናይቶም ዜግነት ኖርወይ ንኽወሃቦም ዝሓቱ ዘለዉ ሽወደናውያን ምስቲ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 3000% ምውሳኹ፡ ኖርወጃዊ ህዝባዊ መደበት ተሌቭዥን NRK ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ መጠን ቁጽሪ ዝወሰኸሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ፡ ድርብ ዜግነት ንኽህሉ ዘፍቅድ ሕጊ ምዃኑ እቲ መደበር ገሊጹ። ካብ ወርሒ ጥሪ 2020 ክሳብ ወርሒ ሰነ 2021 ኣብ ዝነበረ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com