Friday , April 26 2024

ኢትዮጵያ፡ ሚድያታት ወጻኢ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ዝብል ኣጸዋውዓ ከይጥቀማ ኣጠንቂቓ

ሚድያታት ወጻኢ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝብል ኣጸዋውዓ ምጥቃም እንተቐጺለን፡ ጽንክር ዝበለ ስጒምቲ ክውሰደለን ከም ዝኽእል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ።

በዓል መዚ ፈነወታት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ፡ ተቓለስቲ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ (TDF) እናበልካ ምጽዋዕ፡ ንጸጥታ ኢትዮጵያ ዝፈታትን እዩ ኢሉ። ትግራይ ኣካል ፈደረሽን ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ነቲ ምንቅስቓስ TDF እናበልካ ምጽዋዕ ንሉኣላውነት ኢትዮጵያ ምግሃስ እዩ ዝኸውን ክብል ወሲኹ ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ግብረሽበራዊ እዩ ክብል ከም ዝሰመዮ ዝፍለጥ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ እዘን ናይ ወጻኢ ሚድያታት፡ ነቲ ሕጂ ኣብ መቐለ ስልጣን ተቘጻጺሩ ዝርከብ ኣካል፡ መንግስቲ ትግራይ እናበላ ምጽወዐን ክቑጠባ ኣለወን ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ትሕተም Addis Standard ብዛዕባ ኲናት ትግራይ፡ ብቐጻሊ ሸፈነ ብምሃቡ፡ ፍቓድ ሕትመቱ ክሕደግ ከም እተገብረ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com